ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሰበታ አስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምዕታዎም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያ ከተማ ሰበታ ተፈጢሩ ብዝነበረ ህውከትን ዕንወት ንብረትን ብዝተኣሳሰረ ተሓተቲ እዮም ዝተባህሉ ሓደ ሽሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተፈሊጡ።

ኣብ ዞባ ጉጂ ከተማ ነገሌ ቦረናን እውን ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንኣስታት 11 ኣዋርሕ ብሰንኪ ዝጸንሓ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞትን መቑሰልትን ኣብ ልዕሊ ንብረት ድማ ዕንወት በፂሑ እዩ።

ኣብ ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያ ከተማ ሰበታ ንዝበፅሐ ዕንወት ንብረት ተሓተቲ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሓደ ሽሕ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ንከንቲባ ከተማ ሰበታ ኣቶ ኣራርሳ መርዳሳ ዝጠቐሰ ፀብፃብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፐሬት ይገልፅ።

ብመሰረት ኣቶ ኣራርሳ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ መንጎ ዝውዓሉ ተጠርጠርቲ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ካብ 40 ክሳብ 50 ዝኾኑ ኽኾኑ ከለው እቶም ዝበዝሑ ካብ ካልኦት ከባቢታት ኦሮሚያ ዝመፁ ምዃኖም እዮም።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣብ ምውዓል ነበርቲ እታ ከተማ ዝርዝር ተጠርጠርትን ዝፈፀምዎ ዓይነታት ጥፍኣትን ኣብ ምቅላዕ ምስታፎም እቶም ከንቲባ ሓቢሮም።

ብኻልእ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ከተማ ኔጌሌ ቦረና ሓይልታት ፀጥታ ንሰባት ይኣስሩ ከምዘለው ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለ ነባሪ እታ ከተማ ንክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ’ሎ።

ናይታ ወረዳ ሓላፊ ፀጥታ ኣቶ ኣዶላ ሚሄሶ ብወገኖም እቶም ዝተኣስሩ ህውከት ዝፈጠሩ ዕዋሉ እዮም ክብሉ መሊሶም።

ኣብቲ ዞባ ብዙሓት ሰባት ይእሰሩ ከምዘለው ካልኦት ምንጭታት ብተወሳኺ ምግላጾም ክፍሊ አፋን ኦሮሞ ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ኣብ ከተማ ሰበታ አስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምዕታዎም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:29 0:00


XS
SM
MD
LG