ንመንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ሃገር ዘጥፍኡ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ኣለው ዝበሉ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ክትግበር ዝተወሰነሉ ምኽንያት እዞም ፀላእቲ ኣበይ ደው ከምዝብሉ ስለ ዘይፍለጥ እዩ ኢሎም።
ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ተቓውሞ ስዒቡ ዝተረኣየ ቅልውላው ምኽንያት ብምግባር ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝጀመረን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕን ህፁፅ ኣዋጅ ትማሊ ሰንበት ኣዊጁ’ሎ።እዚ ኣዋጅ ብቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ንናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታት ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ኣዋጅ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ምስ ዝተልዓሉ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ብዝተኣሳሰረ ኣይኮነን ኢሎም።
ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ ትማሊ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፈፃሚ ኮማንድ ፖስት እቲ ህፁፅ ኣዋጅ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት፣ንሰላምን ደሕንነትን ህዝብታትን ዜጋታትን ንምሕላው ኣድላዩ እዩ ኢሉ ይኣምን እዩ ዝበልዎ ዝርዝር ጉዳያት ከምዝፍፅም ሓቢሮም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ኣዋጅ መርሚሩ ብክልተ ሲሶ ድምፂ ከፅድቖ ትፅቢት ይግበር።
ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈ መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ኣዋጅ ከምዘጣይሽ እውን ተገሊፁ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።