ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተአኻኸቡ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ
ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሎሚ ካብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሮም ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ኣሎ ዝበሉዎ ስቓይ፣መቕተልትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብምቅዋምን ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ዝመፀሉ እዋን ሎሚ እዩ ዝብሉን ጭርሖታት ብምሓዝ ድምፆም ከስምዑ ውዒሎም ኣለው።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ዝተኻየደ ምኳኑን እቲ ሰልፊ ብናይ ዋሽንግተን ዲሲ ግብረ ሓይሊን ካልኦት ኣካልትን ዝተዳለወ ምኳኑ ተገሊጹ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ንናይ ኣፍሪካ ዴስክ ደብዳቤ ኣቕሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።


XS
SM
MD
LG