ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻድሻይ ጉባዔ ለውጢ ኩነታት አየርን ልምዓትን ኣብ አዲስ አበባ ተቃኒዑ


ናይ ፓሪስ ስምምዕ ለውጢ ኩነታት አየር ኣፍሪካ ብኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ተራባሒት ንክትኸውን ዕድል ዝህባን ለውጢ ኩነታት አየር ዝፈጥሮም ፈተናታት ንምምካት ዘኽእል ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ዘርክበላን እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ሻድሻይ ጉባኤ ለውጢ ኩነታት አየርን ልምዓትን ኣብ ኣፍሪካ “ናይ ፓሪስ ስምምዕ ንኣፍሪካ እንታይ ሒዙ?’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ይኻየድ ኣሎ።

ስምምዕ ፓሪስ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ጃፓን ንዝተበፅሐ ስምምዕ ለውጢ አየር ዝትክእ ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮምሽን ምኽትል ፀሓፊ ሚስተር ዓብደላ ኣምዶክ እዚ ሓድሽ ስምምዕ ንኣፍሪካ ዝህልዎ ረብሓ ብዝምልከት ከምዚ ይብሉ።

“ናይ ፓሪስ ስምምዕ ንኣፍሪካ ብብዙሕ መዳዩ ይጠቕማ እዩ።እቲ ሓደ ብወገን ፋይናንስ ዝተበፅሐ ስምምዕ እዩ።ንለውጢ ኩነታት አየር ንምምካት ዝውዕል በብዓመቱ ሓደ ሚእቲ ቢሊዮን ዶላር ንኣፍሪካ ተመዲቡ’ሎ፡ እዚ ድማ ብዙሕ ገንዘብ እዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ ካብዚ ንላዕሊ ግን ሓምለዋይን ምስ ከባቢ ዝቃደውን ሓደሽቲ ቴክኖሎጅታት ኣብ ምርካብ ዝዓበየ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ናይ ፓሪስ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል 17 መዓልታት ተሪፉዎ’ሎ።ክሳብ ሕዚ 16 ሃገራት ኣፍሪካ ሓዊሱ 77 ሃገራት ዓለም ነቲ ስምምዕነት ምቕባለን ብፌርምአን ኣረጋጊፀን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ሻድሻይ ጉባዔ ለውጢ ኩነታት አየርን ልምዓትን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ አዲስ ኣበባ ተቃኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:14 0:00

XS
SM
MD
LG