ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ህውከትን ቅልውላውን ኦነግን ግንቦት ሸውዓተን ዓብይ ገደ አለዎም ኢሉ


ፕረዝደንት ኢትዮጵያ አቶ ሙላቱ ተሾመ
ፕረዝደንት ኢትዮጵያ አቶ ሙላቱ ተሾመ

ኣብ ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ህውከትን ቅልውላውን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ንዝወረደ ጉድኣት ዓብይ ግደ ዝተፃወቱ ናይ ወፃኢ ሓይልታትን ብሽብር ዝተመደቡ ኦነግን ግንቦት ሸውዓተን ምዃኖም ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ኣፍሊጦም።

ኣብያተ ምኽሪ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ድምፅታት ዝሰምዑሎምንን ዝወዳደርሎምን ንክኾኑ ናይ ምርጫ ሕጊ ክልወጥ ከምዘለዎ ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ንኣብያተ ምኽሪ ወከልትን ፌደረሽንን ኣብ ዘኻየድዎ ናይ ሓባር ኣኼባ ተዛሪቦም።

ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተሾመ ሎሚመዓልቲ ንኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት እታ ሃገር ዝተፈጥሩ ግጭታትን ህውከትን ትኹረት ካብ ዝገበርሎም ዛዕባታት እዮም ነይሮም።

ኣብዞም ግጭታትን ህውከትን ዝተሳተፉ መብዛሕቲኦም መንእሰያት ምዃኖም ዝገለፁ ንሶም ናይዞም መንእሰያት ሕቶን ድልየትን ናይታ ሃገር ትንሳኤ ብዘይደልያ ሃገራትን ናይ ውሽጢ መሳርሒታተንን እዮም ዝበሉዎም ፀረ ሰላም ሓይልታት ብፍፁም ኣይረኸቡን ኢሎም።

ኣብ ዘመነ ትንሳኤ ምዃና ዘይቕበላ ዝበሉወን ሃገራት ናብ ቅልውላው ንክንኣትው እናተንቀሳቐሳ ፀኒሐን ድሕሪ ምባል “ብፍላይ ድማ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ብተሳትፎ ህዝቢን ሃገራዊ ዓቕሚ ብምትእምማን ምህናጽ ስለ ዝጀመርና ዝተቖጥዓ ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ውሽጢ ውሽጢ ክዳለዋ ብምፅናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ፅንፈኛ ናይ ዳያስፖራ ሓይሊ ምስ ዝቐስቀስዎ ናይ ናዕቢ ሓይሊ እናተመጋገበ ንሃገርና ንምሕማስ ብቐጥታ ኣብ ምርብራብ ይርከቡ።”

ኣብቶም ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ብዙሕ ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአ ዝገለፁ ፕሬዝዳንት ሙላቱ ናይቲ ጥፍኣት መራሕቲ ዝበሉዎም እውን ብሽም ጠቒስሎም ኣለው።

እዚ ጥፍኣት ደው ንምባል ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝወፀ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ እቲ ቤት ምኽሪ ከፅድቖ ትፅቢት ከምዝግበር እቶም ፕሬዝዳንት ሓቢሮም።

እቶም ፕሬዝዳንት ኣብታ ሃገር ንዝተርኣየ ዘይምርግጋእ ምኽንያት እዩ ዝበሉዎ ካልእ ድኽመት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እታ ሃገር እዩ።ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ምርጫታት ኢትዮጵያ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለው ኣብያት ምኽሪ ካልኦት ክፍልታትት ሕብረተሰብ ዘይተወከልሉ ኩሎም መናብር ምቁፅፃሩ ምዃኑ ሓቢሮም።እዚ ኣሰራርሓ ምስ ናይታ ሃገር ምስ ነባራዊ ኩነታት ከምዘይሰማማዕ ብምግላፅ ቅድሚ እቲ ዝቕፅል ምርጫ ዴሞክራሲያዊ መድረኻት ዘስፍሕን ናይታ ሃገር ዴሞክራሲ ዘሐየል ዝተፈለየ ምንቅስቓስ ክግበር እዩ ኢሎም።

ናይ ምርጫ ሕጊ ናይ ዝበዝሓ ድምፅን ተመጣጣኒ ውክልናን ስርዓት ብግቡእ ሚዛን ዝሓዘን ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ክፋል ድምፂ ዝስምዐሉ ኣብያተ ምኽሪ ንክህልው ብዘኽእል ክመሓየሽ እዩ ኢሎም።

እዚ እውን ኣብ መንጎ ፓርትታት ብዝካየድ መትከል እንካ ሃባ ሃገራዊ ረብሓ ዘማእኸለ ብግልፂ ብዝካየድ ከይዲ ብዝርርብ ክካየድ እዩ ኢሎም።

እቲ መንእሰይ ብቁጠባ ንቕድሚት ተረባሒ ዝገብር ናይ 10 ቢሊዮን ተንቀሳቓሲ ፈንድ ከምዝተመደበ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG