ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሕ/ሃ መደረኦም ንማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ነቒፎም


ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት

ፅንፊ ዝሓዙ ጉጅለታት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ዝተጋገየ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ፅልኣት እናጋፍሑን ምዃኖም ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣተሓሳሲቦም።

ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዓቦ ደርቅን ውሕጅን መነባብሮ ዜጋታት እናተፈታተነ ምዃኑ እውን ኣቶ ሃይለማሪያም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ማሕበራዊ መራኸቢ /ሶሻል ሚዲያ/ ይፈጥሩዎ ዘለው ፀገማት ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦም።

“ሶሻል ሚዲያ ክንድ’ቲ ዝፈጠሮ ምምሕያሽ ምልውዋጥ ሓበሬታን ምዕባይ ተሳትፎ ህዝብን ኣሉታዊ ሳዕቤኑ እውን ዕሽሽ ዝብሃል ኣይኮነን። “

ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሉ ዝዝርጋሕ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ማዕረ ክንደይ ብቐሊሉ ከምዝዝርጋሕን ንህዝቢ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ናብ ዝተጋገየ ኣንፈት ክወስድ ከምዝእኽልን ንሪኢ ኣለና።።ማሕበራዊ መራኸቢ ንህዝቢ ንሕለቕ ኢና ዝብሉ ንቅኑዕ ሻቖሎታት ህዝቢ ብምምዝማዝ ናይ ባዕሎም ፅልኣትን አልድዎን ብዘይገደብ ንኽዝርግሑ ኣኽኢሉዎም እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ነዚ ዘስምዑ ሃገሮም ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ብፍላይ ድማ ብማሕበራዊ መራኸቢ ሓበሬታ ዝዝርግሕሉ ህዝባዊ ተቓውሞ እናተሓመሰት ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን እዩ።

ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ብጥይት ከምዝቐተሉ ተሓለቕቲ መሰላት ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።ኣብ ኦሮሚያ ዳርጋ ሓደ ዓመት ዘቑፅር ዘሎ ተቓውሞ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክካየድ ፀኒሑ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ጎንደርን ጎጃምን ህዝባዊ ዓመፅ እናተስፋሕፍሐ መፂኡ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንመራኸቢ ብዙሃንን ንነፃነት ጋዜጠኛታትን ብዕፋን ብጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ትንቀፍ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት መደርኦም ሽም ዝኾነት ሃገር ከይጠቐሱ ብሓፈሽኡ ምሳና ፅቡቕ ርክብ ዘለወን ሃገራት ህውከት ዘለዓዕሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣዕቒቦበን ኣለዋ ክብሉ ወቒሶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ መደርኦም ኢትዮጵያ ነባሪ ዘለዎ ልምዓት ንምምፃእ ምስ መሻርኽታን ህዝባን ብምዃን ኣብ ጎደና ዕብየት ዓወት ምርካቦም ገሊፆም።ይኹን እምበር ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዓቦ ድርቅን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ሎሚ እውን ካብ ድኽነት ንምውፃእ ትቃለሱ ንዘለው ህዝብታት ናብ ድሕሪት ክተርፉ እናገበሩ እዮም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝመርሑዎ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ምስ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ቀንዲ ኣጋር ኮይኑ ሰሪሑ’ሎ።

192 ኣባል ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ዝፈረማሉ ስምምዕ ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሓላፍነታ ክትወጽእ ንምስራሕ ምዳላው ገሊፁ’ሎ።

እቲ ናይ ኒው ዮርክ ስምምዕ ንስደተኛታት ዘዕቑቡ ምዕራባዊያን መንግስታትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብድልየቶም ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ንዝተሓባበራ ሃገራት ናይ ገንዘብን መግብን ረድኤት ንምቕራብ ተዳሊየን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ካብ ብሪታኒያ 80 ሚሊዮን ፓውንድ ሓገዝ ከምእትርከብ እውን ተሓቢሩ’ሎ።ዕላምኡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣርን ንመትከሊ እግርን ዝውዕል እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሕ/ሃ መደረኦም ንማህበራዊ መራኸቡ ብዙሃን ነቒፎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:43 0:00

XS
SM
MD
LG