ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህይወት ሰብ ከይጠፍእን መንግስቲ እውን ንልዝብ ድልዊ ክኸውንን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሓቲቱ


ዝኾነ ይኹን ኣካል ንህይወት ሰብ ዝለዓለ ጥንቃቐ ክገብር ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።መንግስቲ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሓላፍነት ዘለዎ ስለዝኾነ ኣርሒቑ ብምሕሳብ ኩሉ ዝግባእ ክገብር ሓቲቱ’ሎ።ህዝቢ እውን ካብ ፅልኢ፣ኣድማን ህውከትን ክርሕቕን ሕቶኡ እውን ብሰላማዊ መንገዲ ከቕርብን ፀዊዑ’ሎ።

ንልዕሊ 97 ሚእታዊት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝውክሉ ዝገልፁ ቀንዲ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ዝሓቖፈ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊ ጉባኤ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን፣ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ሃይማኖት እስልምና፣ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላዊያን ኣብያት ክርስትያን ሕብረትን ፣ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ካልኦትን ብኣባልነት ዝሓቖፈ እዩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፓትሪያሪክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፣ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊቃነ ጳጳስ ካርዲናል ብርሃነ እየሱስ ካልኦትን ተረኺቦም።

ህይወት ሰብ ከይጠፍእን መንግስቲ እውን ንልዝብ ድልዊ ክኸውንን ሓቲቶም ኣለው።ዋና ፀሓፊ እቲ ጉባኤ መጋቤ ዘሪሁን ደጉ ዝተነበ መግለፂ ንኹሎም ወገናት ፃውዒት ዝቐረበሉ እዩ ነይሩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሃገርና ከባቢታት ዝተዋፅኡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ሽማግለታት ዓዲ፣ምሁራንን ማሕበረሰብ ንግድን ዝሳተፍሉ ናይ ሰላም ግብረ ሃይል ብምጥያሽ ሃገራዊ ምርድዳእ፣ዕርቅን ናይ ሕልና ፈውሲ ክፍጠርን እንገብሮ ፃዕሪ መንግስትን ህዝብናን ኣድላዪ ሓገዝ ክገብሩልና ንሓትት ይብል።

ናይቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፃዕሪ ገና ይጅመር ዘሎ እንተኾነ እውን ንናይታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስትርን መራሕቲ ተቓወምትን ክሳብ ምዝርራብ ከምዝዘልቕ ዋና ፀሓፊ እቲ ጉባኤ መጋቤ ዘሪሁን ደጉ ኣፍሊጦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።


XS
SM
MD
LG