ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ከምዝቅንስ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ተንብዮም


UNDP
UNDP

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝለዓለ ዕብየት ዘርኣየ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ምቕናስ ከርኢ ክብሉ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታትን ተንቢዮም።

ምኽንያት ናይቲ ምቕናስ ብሰንኪ ኤል ኒኞ ዝተኸሰተ ድርቂ ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ።ሚኒስትር ዴታ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ምትሕብባር ቁጠባን ኢትዮጵያ ግን እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ተፅዕኖ ኣየሕድርን ኢሎም።

ሎሚ ሓሙስ ዝወፀ ሪፖርት ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዕብየትን ናይ ዝመፅእ ክልተ ዓመታት ትንበያን ዝሓዘ እዩ።

ብደረጃ ዓለም ድኹም ቁጠባ፣ኣብ ኣፍሪካ ምትሓት ዋጋ ምህርቲ እንተሃለወን ኣብ ገሊኦም ከባቢታት ድማ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣየር እናጋጠመ እንተኾነ እውን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ብፅቡቕ ኩነታት ከምዝቐፀለ ተገሊፁ’ሎ።

ናይዚ መርኣያ ዕብየት ቁጠባ ዓለም 2015 ዓ.ም.ፈ 3.1 ሚእታዊ ኮይኑ ናይ ኣፍሪካ ማእኸላይ ዕብየት ዓመታዊ ምህርቲ ብ3.6 ሚእታዊት ምዕባዩ ዝሓሸ ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ 2014ን 2015ን ዓ.ም.ፈ ዕብየት ዝለዓለ ምዃኑ ዝተሓበረ እንተኾነ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ሓዊሱ ኣብቶም ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ግን ከምዝንኪ ኣብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት በዓል ሞያ ቁጠባ ኣቶ ሃይለ ክብረት ኣብ ዘቕረቡዎ ሪፖርት ገሊፆም።

እዚ ትንበያ ኣመለኻኽታ ናይቶም ኣሰናዳእቲ ጥራሕ ዘንፀባርቕ እምበር ናይ መንግስቲ እምነት ኣይኮነን ኢሎም ኣቶ ኣሕመድ።

ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካን ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታትን ብሓባር ዘውፅኡዎ ትንበያ ዕብየት ብዓለምለኸ ትካል ገንዘብ /IMF/ ይቐርብ ካብ ዘሎ ዝለዓለ ግን በመንግስቲ ኢትዮጵያ ይግለፅ ካብ ዘሎ ድማ ዝተሓተ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ከምዝቅንስ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ተንብዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:28 0:00


XS
SM
MD
LG