ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማጓቲ ሰብዓዊ መሰላት ሓይልታት ሱዳን ኣብ ዳርፉር ኬሚካላዊ አጽዋር ተጠቂሞም’ዮም ክብሉ ይኸሱ


ተሓላቒ ንሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓይልታት ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ኬሚካላዊ ኣፅዋር ምጥቃሞም ኣፍሊጡ።

በቲ መጥቓዕትታት ኣስታት 250 ሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም፡ ህጻናት ዝርከቡዎም ብኣማእቲ ዝቑጸሩ ምቑሳሎም ኣብ ዘውጽ ኦ ሓድሽ ሪፖርት ሓቢሩ።

ካብ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ዳርፉር ከባቢ ጀበል ማራ ሰባት ኣብ ቆርበቶም ምስሓይ፣ምስኣን ብርሃን ኣዒንቶም፣ተምላስ ደምን ተቕማጥን ከምኡ እውን ከቢድ ናይ ምትንፋስ ፀገማት ከምዝተርኣዮም ይግለፅ ኣሎ።ናይዞም ኩሎም ምልክታት ንኬሚካል ኣጽዋር ብምቅላዕ ዝመፁ ምዃኖም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልፅ።መንግስቲ ሱዳን ካብ ዝተጠቕሞም ኣፅዋር ከምዝስዓበ እውን እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብር።

ብመሰረት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብሰንኪ ኬሚካላዊ መጥቓዕትታት መብዛሕቲኦም ህጻናት ዝርከቡዎም ኣስታት 250 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ሱዳን ሃገሮም ከምዚ ዝበለ ዓይነት ኬሚካላዊ ኣፅዋር ስለዘይትውንን ዘይጭቡጥ ሓሶት እዩ ክብሉ ምንፃጎም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ፀብፂባ’ላ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ሱዳን ናብቲ ከባቢ ንምኻድ ፍቓድ ስለ ዘይሃበኒ ነቲ ሪፖርት ዝኸውን 235 ናይ ስልኪ ቃለ መጠይቕ ኣካይደ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት መንግስታትን ምርመራ ከካይዱ ፀዊዑ’ሎ።

ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ዖማር ኣል-በሽር ብኽስታት ገበናት ኲናትን ኣንፃር ሰብኣውነት ገበናት ብምፍፃምን ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ይድለዩ።ንሶም ግን ንዞም ክስታት ይነፅጉዎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።


XS
SM
MD
LG