ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤዴፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሽግራት ዝፈትሕ ኮሚሽን ክጣየስ ጸዊዑ

  • መለስካቸው ኣምሃ
  • ገብረ ገብረመድህን

ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ/ኢዴፓ/ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥሩ ሽግራት መፍትሒ ሓሳብ ዘቕርብ ኮሚሽን ክጣየሽ ፀዊዑ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ንዘሎ ፀገም ክፈትሕ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ እውን ኢዴፓ ገሊፁ’ሎ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ በዓል ኢሬቻ ንዘጋጠመ ሞትን ቅድሚኡ ንዝተረኣዩ ጉድኣታትን ተሓታቲ ንምፍላይ ዘፃሪ ገለልተኛ ኮሚቴ ክጣየሽ ፀዊዑ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግር ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ እናብኣሰን እናተሓላለኸን መፂኡ’ሎ ዝበለ እቲ መግለፂ ነታ ሃገር ናብ ዘፍርስ ሓደጋነት ቅድሚ ምዕባዩ መንግስቲ ካብቲ ልሙድ ህልኽ ወጺኡ ዘተኣማምንን ነባርን ፍታሕ ንምምፃእ ምስ ካልኦት ኣካላት ክዘራርብ ኣለዎ ክብል የተሓሳስብ።

መንግስቲ ካብ ፖለቲካዊ ፓርትታት፣መራሕቲ ሃይማኖት፣ፍሉጣት ውልቀሰባት፣ምሁራንን ካብ መራሕቲ ስቪክ ማሕበራትን ዝተዋፅኡ ሃገራዊ ዕርቀ ሰላምን ምርድዳእን ክፈጥሩ ዝኽእሉ ስርሓት ዝሰርሕ ኮሚሽን ክጣየሽ እዋኑ ሕዚ እዩ ክብል ኢዴፓ ብተወሳኺ ገሊፁ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG