ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ ምስማዕን ምሕታትን መለለዪ ሰመጉ እዩ ኢሉ


ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/

ቀንዲ መለለዪ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ ድምፂ ምስማዕን ምሕታትን እዩ ኢሉ።ሰመጉ መበል 25 ዓመት በዓል ምስረታ ንምኽባር ይዳሎ ኣብ ዘለሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ብኽስታት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዋላ ሓደ ኣካል ወይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ናብ ሕጊ ቀሪቡ ኣይፈልጥን ኢሉ’ሎ።

ቅድሚ ሕጂ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ሕጂ ድማ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ መበል 25 ዓመት ምስረታ በዓል ምኽንያት ብምግባር ሎሚመዓልቲ ዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይመንግስታዊ ዝኾነ ፈላማይ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ይብል።

እዚ ትካል ምስ ዝኾነ ፖለቲካ፣ብሄርን ሃይማኖትን ከምዘይውግን ዝገለፀ ምኻኑ ብምግላጽ ሰመጉ ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ፣ዴሞክራሲ ንክሰፍሕን ልዕልነት ሕጊ ንክኽበርን ምስራሕ እዩ ይብል።

ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ሰብኣዊ መሰላት ክጥሓሱ ከለው ኣፃሪዩን ብመርትዖታት ኣደጊፉን ብርክት ዝበሉ መግለፅታት ከምዘውፅአ ይገልፅ።

ኣብ ዘውፅኦም ኩሎም መግለፂታት ግዳያት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ፍትሕን ካሕሳን ክረኽቡ፣መግሃስቲ ዝፍፅሙ ድማ ብሕጊ ንክሕተቱን ክፅውዕ ከምዝፀንሐ፣ሕጂ’ውን ይሓትት ከምዘሎን ንመጻኢ እውን ከምዝቕፅለሉን ዳይረክተር ሰመጉ ኣቶ ብፃተ ሓቢሮም።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን ከባቢታትን ከበድቲ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍፃሞም ብመርትዖታት እንተቐረበ እውን ብመንግስቲ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ ናይ ሰመጉ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ቁምላቸው ብተወሳኺ ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ነቲ ውድብ ይመርሑ ዝነበሩን ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ተኣሲሮም ከምዝተፈትሑ፣ ሎሚ እውን ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ገሊኦም ድማ ካብ ሃገር ከምዝሃደሙን ገሊፆም ኣለው።

ሰመጉ መበል 25 ዓመት በዓሉ ካብ ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ፍፃመታት ከምዘኽብር ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ ምስማዕን ምሕታትን መለለዪ ሰመጉ እዩ ኢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:21 0:00

XS
SM
MD
LG