ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ህፁፅ ኣዋጅ መሰል ዜጋታት ካብ ምድራት ዝዘለለ ፍታሕ ኣይኮነን ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ


ኢትዮጵያ ብናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ካብ እትመሓደር 10 መዓልታት ኮይኑ’ሎ።ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተኻየዱ ተቓውሞታትን ዕግርግርን ስዒቡ መንግስቲ ዘውፅኦ ናይ ህፁፅ ኣዋጅ መሰል ዜጋታት ካብ ምድራት ዝዘለለ ፍታሕ ኣይኮነን ክብል ሓደ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ገሊፁ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሃን ድምፂ ዝስምዐሉን ዜጋታት ንባዕሎም ዝመርሕሉን ስርዓት ምፍጣር እምበር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ቅትለት ምፍፃን ምእሳርን ከምኡ እውን ሰፊሕ ዓፈና ምክያድ ፍታሕ ኣይኮነን ኢሉ’ሎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ሰሉስ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቓውሞ ካብ ዝጅመር ልዕሊ 800 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይገልፅ።

ብዛዕባ እቲ መግለፂ ተወሳኺ መብርሂ ዝሃቡ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዛዕባ ኢትዮጵያ መፅናዕቲ ዘካይዱ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ስግኣቶም ብምግላፅ ይጅምሩ።

“ናይ ኣምነስቲ ስግኣት እዞም ተቓውሞታት ንነዊሕ እዋን ፀኒሖም ኣለው።ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ከምዚ ዝበለ ስፍሓትን ቀፃልነት ዘለዎን ተቓውሞ ክካየድ ፈለማይ ስለዝኾነ ነዞም ሰላማዊ ተቓውሞታት መንግስቲ ብዝሃቦ ናይ ሓይሊ ምላሽ ብዙሓት ሰባት ዝተቐትለሉን ዝተኣስርሉን ዝቖሰልሉን ብምዃኑን ምጥፋእ ንብረትን ብኣፅዋር ዝተዓጀበ ግጭትን ዝነበሮ እዩ።”

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣምነስቲ ኢንተናሽናል ንዝሃቦ አሃዝ ኣብታ ሃገር ወይ ኣብ ባይታ ስለዘየለው ኣይቕበሎን።

መንግስቲ ዝኣወጆ ናይ ህፁፅ ኣዋጅ ዓለምለኸ መዐቀኒ ዘማልአ እንተኾይኑን ነቲ ኣዋጅ ዘፈፅም ኮማንድ ፖስት ዝተውሃቦ ስልጣንን ሰፊሕ ብምዃኑን ንምሉእ ነታ ሃገር ዝሽፍን ብምዃኑን ስግኣት ኣለና ኢሎም ኣቶ ፍስሃ።

እቲ ኣዋጅ ካብ ዘቐመጦም እገዳታት እውን ብሃበ ተረኽበን ብትሃድሶ ምሓዝን ዝብል ስለዘለዎ መብዛሕትኡ ግዜ ዝጥርጠሩ ሰባት ናብ ርሑቕ ወታደራዊ ካምፕታት ስለዝውሰዱ ምስ ስድርኦምን ጠበቓታትን ኣይራኸቡን ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ተቓወምቲ ውድባት ጋዜጣዊ መግለፂ ንከይህቡ ምኽልካሉ ንመሰረታዊ መትከል መሰላት ዝሽርሽርን ኣብ ስግኣት ዘውድቕን እዩ እውን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ናይዚ ሪፖርት ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምንባብ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG