ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳን ስደተኛታት ሓድሽ መዕቆቢ ማእከል ይስራሕ ምህላዉ ተገሊጹ


ብዝሒ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለው ፍልሰተኛታት ብዝለዓለ ደረጃ ብምውሳኹን ተወሳኺ መዕቖቢ ካምፕ ይሰርሕ ምህላዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሓደ ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ኢትዮጵያ ይኣትው ከምዘለው ዝገለፁ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ክሱት ገብረ እግዚኣብሄር ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ ብዓሰርተ ዕፅፊ ምዕባዩን ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣስታት 31 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ምእታዎምን ኣፍሊጦም።

ኣብ ገለ ከባቢታት ክፍለ ግዝኣታት ጆንግለይን ኣፐርናይልን ውግእ ብምቕፃሉ ናይ ነፈርቲ መጥቓዕቲ ከምዘሎ ኣብ ገሊኡ ድማ ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን ሃዲሞም ዝመፁ እዮም ክብሉ ምኣቶ ክሱት ይገልፁ።

ምኽትል ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ሪያክ ማቻር ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሳልቫ ኪር ብረታዊ ቓልሲ ክካይድ ምፅውዖም ይዝከር ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳን ስደተኛታት ሓድሽ መዕቆቢ ማእከል ይስራሕ ምህላዉ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:21 0:00


XS
SM
MD
LG