ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ጌዶ ብዝተለዓለ ግጭት 23 ሰባት ምሟቶም ናይቲ ክልል መንግስቲ ገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዞባ ጌዶ ብዝተፈጥረ ግጭት ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣጥቒዖምና ብዝበልዎም ሰባት ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝሞቱ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ማለት ኣብ ዲላ፣ይርጋ ጨፌ ኣብ ወናጎ፤ ኣብ ፍትሃነገስት ተጠቒዕና ዝበሉ ሰባት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዓቒቦም ከምዘለው ሓቢሮም።

ምምሕዳር እቲ ክልል እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ነጋዶን ማሕበር ስራሕ ዞባ ጌዶን ዝተለዓለ ናይ መሬት ኽርክር እዩ ኢሉ፤23 ሰባት ከምዝሞቱ እውን ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG