ኣብ ዓለም በብዓመቱ ካብ ዝሞቱ 12.6 ሚሊዮን ሰባት ኣስታት ርብዒ ብሰንኪ ምስ ከባቢያዊ ሓለዋ ዝተኣሳሰረ እዩ ክብል ሓድሽ መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ይግምት። እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ንከባቢያዊ ኩነታት ብምምሕያሽ ንመብዛሕቲኡ ሞት ምክልኻል ይክኣል እዩ ይብል።
ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን ፡ ዓለም ብመራኸቢ ቴክኖሎጂታት ኣቢሉ ናብ ሓንቲ ንእሸተ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ ገለ ካብቶም ብጽሑፍ፣ ብድምጽን ቪዲዮን ንምርኻብ ዘገልግሉ ቴክኖሎጂታት ጎግል ቮይስ፣ ስካይፕ፣መሰንጀር ወዘተ ዝኣመሰሉ መራኸቢታት እዮም።
ጋዜጠኝነት ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ እንታይ ይመስል? ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ጋዜጠኛታትን ሓላፊ ህዝባዊ ርኽባት መንግስትን ክልል ትግራይን ስፍሕ ዝበለ ክትዕ ኣካይዶም ኣለው።
ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂ/I.T/ ኣብ ኬንያ ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ውሕስነት ጥዕና ወይ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ክረኽቡ ይሕግዞም ኣሎ።
ሊቃውንቲን ተመራመርትን ንሕማም ካንሰር ወይ መንሽሮ ንምሕካም ኣብ ዝሰርሕሉ ዘሎ እዋን ሰብ ሞያ ጥዕና ብወገኖም ካንሰር ዝከላኸሉ ስትራተጂታት ይሕንጽጹ’ለው።ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ሰባት መዓልታዊ ዝሰርሑዎም ነገራት ብምቕያር ወይ ጎዳኢ ዝኾኑ ከባቢያዊ ኩነታት ብምቁጽጻር ኣስታት 50 ሚእታዊት ሕማም ካንሰር ምክልኻል ከምዝክኣል መጽናዕቲ ይገልጽ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ማይ ካድራ ዝኾኑ ወለዲ መንግስቲ እኹል ሓለዋን ምክትታልን ስለዘይገብር ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ንደቅና ይውሰዱዎም ኣለው ኢሎም።እቶም ብደለልቲ ናብ ሱዳን ዝውሰዱ ዘለው ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ምዃኖም ቪኦኤ ዘዘራረቦም ሰለስተ ወለዲ ገሊፆም።
ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ሊብያን ጣልያንን ዝርከብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ዝጸዓነት ጀልባ ተገልቢጣ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክሳብ 500 ክብጽሕ ይኽእል እዩ ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት/UNHCR/ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ቁጽሪ ብዕጡቓት ዝተቐትሉ ሰባት 208 ምብጽሑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ጠቓላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ተጣይሹ፤ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ድማ ፈሪሱ።ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ኣዋጅ ትማሊ ሓሙስ ኣጽዲቑዎ።
ብውልቂ ይኹን ብሓባር ሃገራት ኣውሮጳን ሃገራት ኣፍሪካን ኣንጻር ስግኣት ሽበራ ንምግጣም እኹል ስራሕ ኣይሰርሑን፤ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስግኣት ክርዱኡዎን ክግምግሙዎን ኣለዎም ኢሎም ሓላፊ ናይ ሙኒክ ጉባኤ ድሕነት ኣምባሳደር ዎልፍ ጋንጊሽንጋር።
ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነትን ካልእ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ፓርትን ክሰናበቱ ዝሓተተ ውሳነ ኮሚቴ ስነ-ምግባር ሰማያዊ ፓርቲ ብናይቲ ፓርቲ ናይ ኦዲትን ቁጽጽር ኮሚሽን ይርአ ከምዘሎ ናይቲ ኮሚሽን ኣቦ መንበር ኣቶ ኣበራ ገብሩ ገሊጾም።ኣቶ ይልቃል ዝለዓለ ቅሬታ ካልእ ተኸሳሲ ድማ ይግባይ ሓቲቶም ኣለው ኢሎም ኣቶ ኣበራ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብኤል-ኒኞ ምኽንያት ንዝተኸሰተ ድርቂ ዝውዕል ናይ 122.5 ሚሊዮን ዩሮ ሓገዝ ከምዝህብ ሎሚ ወግዓዊ ጌሩ።እቲ ሓገዝ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ኣብዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።
ምልሕላሕ ሓለዋ ዶባት ኣፍሪካ ቀንዲ ምንጪ ስግኣት እዩ ፡ ብኣንጻሩ ምጽናዕ ሓለዋ ዶባት ኸአ ንምንቅስቓስ ኣሸበርቲ ክገትእ ይኽእል እዩ ኢለን ኣተሓባባሪት ፕሮግራማት ምንካይ ስግኣት ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቦኒ ጀንኪንስ።
ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባዊያን መንግስታትን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ኢትዮጵያ ሓያል መርገጺ ኣይሓዙን ይብሉ ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ። ንሶም ብተወሳኺ እዚ ድማ ውጽኢት ስራሕ ህዝባዊ ርክባት ኢህወዴግ እዩ ይብሉ።
ልዑኽ ጉጅለ ናይ ሶሻልትን ዴሞክራትን ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየዶ ዑደት ዛዚሙ።ንምስፋን ሰብኣዊ መሰልን ዴሞክራስን ክሰርሑ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣረዲአ ኣለኹ ክብሉ ናይቲ ጉጅለ ፕሬዝዳንት ጂያኒ ፒቴላ ገሊጾም።
ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ መድረክ መንግስቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ካብ ፋሽሽታዊ ጭካነ ዘይንእስ እዩ ክብል ኸሲሱ።እቲ ስጉምቲ ከም ደርጊ ኣስከሬን ፈቐዶ ክሳብ ምድርባይ በጺሑ’ሎ ይብል።
ጸገም ዝስተ ማይ ገለ ከባቢታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክሪክ ዝተኣሳሰረ እዩ ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም።በዓል ስልጣን ማይን ፈሳሲን እታ ከተማ መዓደሊ ማይ ከፊቱ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን