ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ድምጽን ምስልን ብናይ ኢንተርኔት መስመር ምምሕልላፍ(Voice Over IP) እንታይ’ዩ?(2ይ ክፋል)


ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን ፡ ዓለም ብመራኸቢ ቴክኖሎጂታት ኣቢሉ ናብ ሓንቲ ንእሸተ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ ገለ ካብቶም ብጽሑፍ፣ ብድምጽን ቪዲዮን ንምርኻብ ዘገልግሉ ቴክኖሎጂታት ጎግል ቮይስ፣ ስካይፕ፣መሰንጀር ወዘተ ዝኣመሰሉ መራኸቢታት እዮም።

እዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ካብቶም ስሩዓት ናይ ስልኪ ኣገልግሎታት/ተንቀሳቓስን ዘይተንቀሳቐስን/ ብኽፍሊት ብተዓጻጻፊ ኣዚዮም ዝተሓቱ ብውጽኢቶም ድማ ኣብ ሓደ ግዜ ንብዙሓት ዘራኽቡ ኣድማዕቲ እዮም ይብሉ እቶም ክኢላታት።

ብዛዕባ’ዚ ብድምጽን ብቪዲዮን ንምርኻብ ዘገልግሉ ቴክኖሎጂታት መብርሂ ክህቡና ኣቶ ጌታቸው ገብረጻዲቕ ኣብ ክፍለግዝኣት ቬርጂኒያ ቤተል ኣብ ዝተባህለ ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያ መሃንዲስ ሶፍትዌር፣ኣቶ ሰመረ ታእዛዝ ኣብ ኖርዝ ካርላይና ሜታ ኣብ ዝተባህለ ኩባኒያ መሃንስዲ ሶፍትዌር እዮም።

ምስዞም ክሊላታት ዝተኻየደ ካልኣይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG