ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ሰባት 500 ክበጽሕ ይክእል’ዩ ይብል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ


ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ሊብያን ጣልያንን ዝርከብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ዝጸዓነት ጀልባ ተገልቢጣ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክሳብ 500 ክብጽሕ ይኽእል እዩ ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት/UNHCR/ ኣፍሊጡ።

ካብታ ሓደጋ ንዝድሓኑ ዝጠቐሰ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ነቶም ተሳፈርቲ ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ጀልባ ናብ ካልኣይቲ ዓባይ ጀልባ ክተሰጋግር ከላ እታ ዓባይ ጀልባ ከምዝጠለቐት ይገልጽ።

ኣብ ናይ ግሪክ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታ ሕ/ሃ ሰራሕተኛ ክፍሊ ሓበሬታ ዝኾነት ኣይካተሪኒ ኪቲዲ ብዛዕባ መንነት እቶም ካብቲ ሓደጋ ዘደሓኑ ሰባት ከምዚ ክትብል ገሊጻትላ።

‘ብናተይ ርድኢት ዜግነት ኩሎም ብህይወት ዝተረፉ 41 ሰባት ሱዳናዊያን: ሶማሊያዊያን: ኢትዮጵያዊያንን ግብጻዊያንን እዮም።’

እቲ ሓደጋ 8 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም.ፈ ከምዘጋጠመን ናይ ንግዲ መርከብ ን41 ሰባት ኣድሒና ናብ ግሪክ ከምዝወሰደተንን ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ይገልጽ።

ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 500 ምዃኑ እንተድኣ ተረጋጊጹ ኣብ ኣውሮጳ ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ካብ ዝጅምር እቲ ዝኸፍአ ትራጀዲ ክኸውን እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓደጋ ካብ ሊብያ ስደተኛታት ጽዒና ናብ ኢጣልያ ተምርሕ ዝነበረት ንእሽተይ ጃልባ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:05 0:00

XS
SM
MD
LG