ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ካብ ፋሽሽታዊ ጭካነ ዘይንእስ እዩ ክብል መድረኽ ከሲሱ


መራሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ መድረክ
መራሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ መድረክ

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ መድረክ መንግስቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ካብ ፋሽሽታዊ ጭካነ ዘይንእስ እዩ ክብል ኸሲሱ።እቲ ስጉምቲ ከም ደርጊ ኣስከሬን ፈቐዶ ክሳብ ምድርባይ በጺሑ’ሎ ይብል።

ኢህወዴግ ምስ መድረኽን ካልኦት ሓቀኛ ተቓወምቲ ምስ ዝበሎም ፓርታትን ብቕልጡፍ ክዛተ ኣለዎ ይብል።

መድረኽ ሎሚ ኣብ ዝውጽዖ ጋዜጣዊ መግለጺ መንቀሊ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ይጋፋሕ ኣሎ ዝበሎ መረረ ህዝብን ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስን ኣገዛዝኣ ውልቀ መላኺ ኢህወዴግ ዝፈጠሮ ብልሽው ምምሕዳር እዩ ይብል።

ብተወሳኺ መድረኽ ነቲ መንግስቲ ኢህወዴግ ዝህቦ ዘሎ ግብረመልሲ ምስ ፋሽሽታዊ ጭካነ የመሳስሎ።ሓላፊ ርክብ ህዝቢ መድረኽ ኣቶ ጥላሁን እንደሻው ብተወሳኺ ከምዚ ኢሎም።

‘ንናይቲ ህዝቢ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ካብ ፋሽሽታዊ ጭካነ ብዘይንእስ ናይ ምጭፍላቕ ስጉምቲ እናወሰደ ዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ እቲ ጸገም ስእነት ሰናይ ምሕደራ ጥራሕ ከምዝኾነ ዘቕርቦ ዘሎ ምክንያት መድረኽ ብትዕዝብቲ ይከታተሎ’ሎ።’

ሰናይ ምምሕዳር ኣጉዲሎም ዝበሎም ሰበስልጣናት ካብ ሓደ ስልጣን ናብ ካልእ ስልጣን ከሸጋሽጎም ንርኢ ኣለና፤መንግስቲ የቕርቦ ንዘሎ ይቕሬታ እውን መድረኽ ኣይቅበሎን ይብሉ።

መንግስቲ ካብ ጃምላዊ ማእሰርቲ ብተወሳኺ ኣብ እዋን ደርጊ ከምዝነበሮ ኣስከሬን ፈቐዶ ክሳብ ምድርባይ በጺሑ’ሎ ይብሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ጥላሁን።ካብ ክልል ኦሮሚያ 2,627 ዜጋታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ኣለው ይብል።ብግፍዒ ንዝተቐትሉ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ኣየቕረበን ብኣንጻሩ ማእሰርቲ ቀጺሉዎ’ሎ ይብል።ኢህወዴግ ምስ መድረኽን ካልኦት ሓቀኛ ፓርትታትን ተቓወምቲ ዝብሎም ብህጹጽ ክዘራረብ ኣለዎ ኢሉ’ሎ።

መንግስቲ ግን ስነ ምግባር ምርጫ ኣይንፍርምን ምስ ዝበሉ መድረኽን ካልኦትን ተቓዋሚ ፓርታት ከምዘይዘራረብ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ብልሽውና ንሕቶታት ህዝቢ ቕልጡፍ ምላሽ ብዘይምሃብና ምስ ህዝቢ ኣብ ቅርሕንቲ እናኣተና ንርኸብ ክብሉ ኣብ ቀረባ ንፓርላማ ተዛሪቦም ነይሮም።

እቶም ቅርሕንቲ ኣብ ገሊኦም ቦታታት ግጭት ኣስዒቦም እዮም፤ካብ ጫፍ ትግራይ ክሳብ ጫፍ ደቡብ እዚ ጸገም ሓደን ተመሳሳልን ስለዝኾነ ምስ ህዝቢ ክንትዓረቕ ኣለና ክብሉ ገሊጾም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG