ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ፓርቲ መድረክ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባዊያን መንግስታት ኣብ ኣተሓሕዛ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንዘለዎም መርገጺ ይነቕፉ


 ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ
ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ

ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባዊያን መንግስታትን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ኢትዮጵያ ሓያል መርገጺ ኣይሓዙን ይብሉ ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ። ንሶም ብተወሳኺ እዚ ድማ ውጽኢት ስራሕ ህዝባዊ ርክባት ኢህወዴግ እዩ ይብሉ።

ኣሜሪካን ኣውሮጳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ስጡም ርክብ ጌጋታት ንምእራም ኣይተጠቀሙሎምን ክብሉ ተቓወምቲ ይኸሱ።ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኢህወዴግ ብቐጥታ ይኹን ነጻ ኢና ብዝብሉ ካልኦት ሰባት ብብቕዓት ዝጥቀመሉ ስልቲ እዩ ይብሉ።

ንሶም ነዚ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ዝፈጸሙ ናይ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ናይ ኣውሮጳ ፓርላማን ተመስሪቶም እዮም።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ተሓሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ዴሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን ቶም ማሊኖውስኪ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕሉ ምክንያት ኣብ መንጎ መንግስታት ኣሜሪካን ኢትዮጵያ ዝካየድ ሓባራዊ ምይይጥ ንምስታፍ እዩ።

ካብ ኩነታት ኦሮሚያ ክሳብ ኣብ ምስፋን ዴሞክራሲ ጊደ ስቪክ ማሕበራት ተላዒሎም ከምዝተዘተየሎም እቶም ተሓሓጋዚ ሚኒስትር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም እዮም። እንተኾነ ግን ኣብዚ ዑደቶም ምስ ተቃወምቲ ፓርቲታት ኣይተዘራረቡን።

ኣቦ መንበር መድረኽ ግን ብዛዕባ ኦሮሚያ ይኹን ካልኦት ጉዳያት ኣሜሪካ ማዕዳን ርእይቶን ጥራሕ እያ ትህብ ዘላ ይብሉ። ‘በዚ እንተቐጺልኩም ርክብና ንምቕጻል ክሽገር እዩ' ዝብል ጽንዕ ዝበለ መርገጺ ኣይወሰዱን ኢሎም ፕሮፌሰር በየን።

ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝተራኸቡ ኣብ ናይ ፓርላማ ኣውሮጳ ናይ ሶሻሊስትን ዲሞክራትን ጉጅለ መሪሖም ዝመጹ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ካብ ናይ ኢህወዴግ ሓበሬታ ርክብ ህዝቢ ዝተፈለየ ምዃኑ ተረዲኦም ኣለው ይብሉ ምስቲ ልኡኽ ዝተዛተዩ ፕሮፌሰር በየን።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ብራስለስ ዝውሃቦም ሓበሬታ ምምሕያሽ ዘድልዮ ከይዲ ዴሞክራሲ ከምዝኾነ ተረዲኦም ዝመጹ ኣባላት ልኡኽ ኣብ ባይታ ዝረኸቡዎን ግን ኣዚዩ ዝተፈላለየ እዩ ይብሉ።

‘ኣብዚ ምስ ኣተው እቲ ፓርላማ ሚእቲ ብሚእቲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገዛኢ ፓርቲ እዩ።ንሳቶም ንጉዳያት ካብዘለዎም ኣረዳድኣ ዝተፈልየ ምዃኑ ምስፈለጡ ድማ ኣዚዮም እዮም ተገሪሞም።’

ከመይ ገይሩ እዩ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክብሃል ዝኽእል ኢሎም እቶም ልእኻት ከምዝሓተቱን ካብቶም ተቓወምቲ ብዝረኸብዎ ሓበሬታ ዓጊቦም ከምዝተመለሱን ፕሮፌሰር በየነ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG