ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዑኽ ጉጅለ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ ዑደቱ ዛዚሙ


ልዑኽ ጉጅለ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ
ልዑኽ ጉጅለ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ

ልዑኽ ጉጅለ ናይ ሶሻልትን ዴሞክራትን ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየዶ ዑደት ዛዚሙ።ንምስፋን ሰብኣዊ መሰልን ዴሞክራስን ክሰርሑ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣረዲአ ኣለኹ ክብሉ ናይቲ ጉጅለ ፕሬዝዳንት ጂያኒ ፒቴላ ገሊጾም።

ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብፍላይ ድማ ናይ ኦሮሚያ ተቓውሞ ብዝምልከት ሓያል ውሳነ ዘድልዮ ሓሳብ ኣብ ቀረባ ኣቕሪቡ እዩ።ናይዚ ውሳነ ቀንዲ ደገፍቲ ድማ ብብዝሒ ኣባላት ኣብቲ ፓርላማ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ናይ ሶሻሊስትን ናይ ዴሞክራትን ጉጅለ እዩ።

ኣባላት ልዑኽ ናይዚ ጉጅለ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ክፍጽሙ ጸኒሖም ኣለው።

እቲ ጉጅለ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ፣ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታትን ስቪክ ማሕበራትን ከምኡ እውን ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪካ ምዝርራቡ ሎሚ ኣማሲዩ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ጉዳይ ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ከምዝተዘራረቡ ኣብ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ሶሻሊስትን ዴሞክራትን ጉጅለ ፕሬዝዳንት ጃያኒ ፒቴላ ገሊጾም።

‘ቀንዲ ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ዴሞክራሲ ምርግጋጽ ከምዝኾነ ብጽኑዕ ገሊጸሎም ኣለኹ።ነጻነትን ናይ ሓሳብ ብዙህነትን ምርግጋጽን ዓብዪ መራሒ በዚ ኣንፈት እዩ ዝሰርሕ።እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር በዚ መስመር እዚ ክሰርሑ ሓቲተዮም ኣለኹ።’

ንሶም ብተወሳኪ እቲ ውሳነ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝተኻየደ ተቓውሞ መንግስቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ምጥቃሙ ብምንቃፍ፣ዝተኣስሩ ንክፍትሑን ዝተፈጸመ ቕትለት እውን ብነጻ ወገን ክምርመርን ይሓትት።እቲ ጉጅለ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ምዝርራቡን ኣወንታዊ ምላሽ ምርካቡን ገሊጾም።

ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ምዝራብ ዝዘለለ ዝወስዶ ስጉምቲ የለን ዝብል ወቐሳ ከምዝቐረበን እቲ ሓቂ ግን ካብኡ ዝተፈለየን እዩ ይብል እቲ ጉጅለ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ጉዳያት ስደት፣ሽበራን ኣብ ካልኦት ጉዳያትን ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪካን ተዘራሪቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ልዑኽ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ ዑደት ዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:06 0:00

XS
SM
MD
LG