ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቕላሊ ዓቓቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ተጣይሱ


ሚኒስትር ፍትሒ ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ
ሚኒስትር ፍትሒ ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ

ጠቓላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ተጣይሹ፤ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ድማ ፈሪሱ።ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ኣዋጅ ትማሊ ሓሙስ ኣጽዲቑዎ።

ኣብ 1985 ዓ.ም ብኣዋጅ ተጣይሹ ኣብ 1986 ዓ.ም ዝፈረሰ ናይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዳግም ብኣዋጅ ተጣይሹ’ሎ።ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብሓደ ክፍሊ ይምራሕ ዝነበረ ኣካል ስልጣኑ እውን ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስታት ተዋሂቡ ክብሉ ጸኒሖም ኣለው።

ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን መብርሂ ዝሃቡ ሚኒስትር ፍትሒ ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ እቲ ኣዋጅ ዝወጸሉ ሓደ ምኽንያት ብሰብ ሞያ ክቐርብ ዝጸንሐ እዩ ኢሎም።

‘ናይ ምምርማርን ምኽሳስን ጉዳያት ንዝተፈላለዩ ትካላት ተዋሂቡ እዩ ጸኒሑ።ንስሩዕ ዓቃቢ ሕጊ፣ጸረ ብልሽወና፣በዓል ስልጣን እቶትን ጉምሩክን ሽሞት ተመቓቒሉ ብምጽንሑ መሰረታዊ ጸገማት ተራኢዮም እዮም።’

እዚ ናይ ሕጂ ኣውዳድባ ግን ዝሓሸ ኩነታት ከምዝፈጥር እቶም ሚኒስትር ኣረዲኦም።ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ብደረጃ ሚኒስትሪ ተጣይሹ ኣባል ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ክኸውን እዩ።ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ፓርላማ ብምቕራብ ድማ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ከሽሙ እዮም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጠቕላሊ ዓቓቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ተጣይሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:27 0:00

XS
SM
MD
LG