ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ዝሞቱ ሰባት 208 ምብጽሑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ክልል ጋምቤላ
ክልል ጋምቤላ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ቁጽሪ ብዕጡቓት ዝተቐትሉ ሰባት 208 ምብጽሑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቓዕቲ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጹ ኣባላት ብሄረሰብ መሪሌ ከምዝተፈጸመን ብዘይካ እቶም ዝተቐትሉ ካልኦት 102 ህጻናት ናብ ደቡብ ሱዳን ተጨውዮም ዝተወስዱ ህጻናት ከምዘለዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ገሊጾም።

ብዝሒ ዝሞቱ 208 ምዃኑ ዝተገልጸ ክኸውን ኸሎ ቁጽሪ ዝተጨውዩ ድማ ካብ 102 ክሳብ 108 ዝበጽሑ ህጻናት እዮም። ካልኦት 75 ሰባት ምቑሳሎም እውን ምንጭታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልጹ ኣለው።እቶም ዕጡቓት ንልዕሊ 2,000 ከብቲ ዘሪፎም ከምዝወሰዱ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ትማሊ ሰንበት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቴሌቪዥን መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ መንግስቶም በቲ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ብዓሚቕ ምሕዛኑ ብምግላጽ ዕጡቓት ኣባላት ነገድ መሪሌ ድማ ተሓተቲ እዮም ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ዝሞቱ ሰባት 208 ምብጽሑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:30 0:00

XS
SM
MD
LG