ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ዝውዕል 122.5 ሚሊዮን ዩሮ ሓገዝ ከምዝህብ ገሊጹ


ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብኤል-ኒኞ ምኽንያት ንዝተኸሰተ ድርቂ ዝውዕል ናይ 122.5 ሚሊዮን ዩሮ ሓገዝ ከምዝህብ ሎሚ ወግዓዊ ጌሩ።እቲ ሓገዝ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ኣብዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።

ልኡኽ ኮሚሽን ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ኣብ ክልል ሱማሊያ ብድርቂ ዝተጥቕዑ ከባቢታት ምስተዓዘበ ነቲ ሓገዝ ወግዓዊ ከምዝገበረ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ድርቂ 10.2 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት መግቢ የድልዮም።

እቲ ሓገዝ ካብ ናይ ሓጺር እዋን ናይ ህይወት ምድሓን ስራሕ ዝሓለፈ ከምዝኾነ ዝገለጹ ናይ ዓለምለኸ ምትሕብባርን ልምዓትን ኮሚሽነር ኔቨን ሚሚካ ንድርቂ ዘቃልዑ መሰረታዊ ምኽንያታት ንምፍላይን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ንምድላብን ዝዓለመ ከምዝኾነ’ውን ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ንድርቂ ንዝተጠቕዑ ሰባት ንሓደ ዓመት ዝኸውን መግቢ ንምቕራብ 1.4 ቢሊዮን ዶላር የድሊ።51 ሚእታዊት ካብዚ ዝተረኽበ ኽኸውን ከሎ እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ናይ ኣውሮጳ ኮሚሽን ሓገዝ ዘድሊ ገንዘብ ክርከብ እዩ ዝብል ተስፋ ዘሐይል እዩ ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ዝኸፍአ ድርቂ ዘጋጠማ ኢትዮጵያ እንተወሓደ ሽዱሽተ ሚሊዮን ህጻናት ከቢድ ናይ መግቢ ሕጽረት ኣጋጢሙዎም ኣሎ ክብል ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ህጻናት ኣድሕን /Save the Children/ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ሓዳሽ ፈጻሚት ስራሕ እቲ ትካል ሄለ ቶርኒንግ ስድራታት መግብን ማይን ንምድላይ ይንቀሳቐሱ ኣለው ኢለን። ንሰን በተወሳኺ ስቓይ ህጻናት ከብቅዕን ሓደጋታት ሕጽረት መግብን ኣመጋግባን ማይ ወለድ ሕማማትን ንምክልኻልን ማሕበረሰብ ዓለም ብዘይ ውዓል ሕደር ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዐን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG