ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ምልሕላሕ ሓለዋ ዶባት ኣፍሪካ ቀንዲ ምንጪ ስግኣት እዩ’ ኣምባሳደር ቦኒ ጀንኪንስ


ኣምባሳደር ቦኒ ጀንኪንስ ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ (ትዊተር ዝተወስደ)
ኣምባሳደር ቦኒ ጀንኪንስ ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ (ትዊተር ዝተወስደ)

ምልሕላሕ ሓለዋ ዶባት ኣፍሪካ ቀንዲ ምንጪ ስግኣት እዩ ፡ ብኣንጻሩ ምጽናዕ ሓለዋ ዶባት ኸአ ንምንቅስቓስ ኣሸበርቲ ክገትእ ይኽእል እዩ ኢለን ኣተሓባባሪት ፕሮግራማት ምንካይ ስግኣት ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቦኒ ጀንኪንስ።

ንሰን ነዚ ዝገለጻ ጃምላዊ ህልቂት ዘስዕቡ ኣጽዋራት ንምስራሕ ዘገልግሉ ንጥረ-ነገራት ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ንከይኣትው ንምኽልኻል ብኣሜሪካ ኣብ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ዝመኸረ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተሳተፋሉ እዋን ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየድኦ ቃለ መጠይቕ እዩ።

ኣምባሳደር ጀንኪንስ ናይ ኑክልየር፣ኬሚካላውን ባይሎጂካውን ኣጽዋራት ምስ ኣፍሪካ ህልው ኩነታት ከመይ ከምዝራኸብ ክገልጻ ኸለዋ እቲ ሕቶ ሃገራት ኣፍሪካ እዞም ኣጽዋራት ኣለወንዶ ዝብል ከይኮነስ እዞም ኣጽዋራት ኣብ ኢድ እተን ሃገራት ንከይኣትው ብኸመይ ክንከላኸሎ ይኽእል ዝብል እዩ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

‘ምልሕላሕ ሓለዋ ዶባት ኣፍሪካ ቀንዲ ምንጪ ስግኣት እዩ’ ኣምባሳደር ቦኒ ጀንኪንስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:13 0:00

XS
SM
MD
LG