ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙኒክ ጉባኤ ድሕነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ


ፋይል- ላፊ ናይ ሙኒክ ጉባኤ ድሕነት ኣምባሳደር ዎልፍ ጋንጊሽንጋር
ፋይል- ላፊ ናይ ሙኒክ ጉባኤ ድሕነት ኣምባሳደር ዎልፍ ጋንጊሽንጋር

ብውልቂ ይኹን ብሓባር ሃገራት ኣውሮጳን ሃገራት ኣፍሪካን ኣንጻር ስግኣት ሽበራ ንምግጣም እኹል ስራሕ ኣይሰርሑን፤ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስግኣት ክርዱኡዎን ክግምግሙዎን ኣለዎም ኢሎም ሓላፊ ናይ ሙኒክ ጉባኤ ድሕነት ኣምባሳደር ዎልፍ ጋንጊሽንጋር።

ናይ ሙኒክ ጉባኤ ድሕነት ሎሚ ሓሙስ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ሸራተን ኣዲስ ተኸፊቱ’ሎ።ዕላምኡ ድማ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ክፋላት ዓለም ዝካየድ ዝርርብ ድሕነት ንምህያል እዩ።

ኣብ ጀርመን ዝተመሰረተን ኣብ ጉዳያት ድሕነት ዘተኩርን መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ናይ ሙኒክ ጉባኤ ድሕነት ኣብ ኣፍሪቃ ጉባኤ ከካይድ እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።

ናይቲ ትካል ሓላፊ ኣምባሳደር ዎልፍ ጋንጊሽንጋር ከምዝሓበሩዎ መንግስታት ኣውሮጳ ብውልቂ ይኹን ሕብረት ኣውሮጳ ኣዚዮም ዘተሓሳስቡ ብዛዕባ ዝብሃሉ ዓለምለኸ ጉዳያት ድሕነት ክሳብ ሎሚ ምስ ኣፍሪቃ ብሓባር እኹል ስራሕ ኣይሰርሑን ኢሎም።

‘ክሳብ ሎሚ ሃገራት ኣውሮጳን ሕብረት ኣውሮጳን ሽበራዊ ሓደጋ ንምክልኻል ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ኣይሰርሑን።ሎሚ ግን ይለውጥ ኣሎ።’

ዓለም እናጸበበት ትመጽእ ስለዘላ ናይቲ ሓደ ስግኣት ነቲ ካልእ ሰላም፣ናይቲ ካልእ ረብሓ ነቲ ሓደ ጉድኣት ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር ኣውሮጳ ደንጉያ እንተኾነት እውን ትርድኦ ዘላ ሓቂ’ዩ ኢሎም።

ንጎነጻዊ ትሩፍነት ንምግጣም፣ቅልውላው ሰሜን ኣፍሪካ ንምክልኻልን ንምውጋድን፣ከም ኢቦላ ዝኣመሰሉ ለበዳታትን ብለውጢ ኩነታት ኣየር ዝፍጠሩ ሓደጋታትን ብብቕዓት ንምምካት ኣውሮጳዊያንን ኣፍሪካዊያንን ብሓባር ክግምግሙዎን ክርድኡዎን ከምኡ እውን ክሰርሕሉን ከምዘለዎም ተሓቢሩ’ሎ።

ጸገም ጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት እውን ክልቲኦም ወገናት ከምዝዛተዩን ስደተኛታት ካብ ህልቂትን ወታደራዊ ግጭትን ክሃድሙ ከለው ብዛዕባ ክውሰዱ ዝግቡኦም ስጉምትታት ዝበለጸ ምትሕብባር ኣውሮጳን ኣፍሪካን የድሊ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ዎልፍ።

ኣብቲ ጽባሕ ዓርቢ ዝዛዘም ጉባኤ ድሕነት ካብ ኣውሮጳ፣ኣሜሪካን ኣፍሪካ ዝመጹ ኣስታት 60 ፍሉጣት ሰባት ተሳተፍቲ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሙኒክ ጉባኤ ድሕነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:44 0:00

XS
SM
MD
LG