ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝተአታተወ ኣገልግሎት ቴሌፎን ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኬንያዊያን ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ይሕግዝ


ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂ/I.T/ ኣብ ኬንያ ዝተሓተ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ውሕስነት ጥዕና ወይ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ክረኽቡ ይሕግዞም ኣሎ።

እቲ ኣገልግሎት ጥዕና ቅድም ክብል እኹል ኣታዊ ወይ ማእኸላይ እቶት ዝነበሮም ሰባት ዝገዝኡዎ ዝነበሩ እዩ።ኪባራ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ ከተማ ናይሮቢ ዝነብሩ ዓሰርተ ሽሕ ነበርቲ ብተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ብምጥቃም ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ።

ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑት ዝኾነት ዊኒ ካብ ስፌት ዓለባ ብትረኽቦ ኣስታት 30 ዶላር ንወርሒ ትናበር። እንተኾነ ግን ሚንጋ (mTiba)ብዝብል ዝፍለጥ ኣገልግሎት ሞባይል እናተጠቐመት ኣገልግሎት ጥዕና ክትረኽብ ኺኢላ። ብሳላ እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ልዑል ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ተባሂሉ ዝህሰብ ዝነበረ ሕክምና ምስ ስድርኣ ትረክብ ኣላ።

እዚ ኣገልግሎት ቴሌፎን ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ክትሕከም ብዙሕ ከምዝሕግዛን ኣብ ዓበይቲ ሆስፒታላት እንተዝኸውን ነይሩ ግን ዝኽፈል ገንዘብ ልዑል ምኳኑ ብምግላጽ በዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ተጠቒማ ወዲ ጓላ ምሕካማ’ውን ሓቢራ።

‘ቀደም እንተዝኸውን ብዙሕ ምኸፈልኩ ነይረ።ንውሕ ንዝበለ እዋን እንዳዋህለልኹ ስለዝጸናሕኹ ግን መድሓኒት ብዝተሓተ ዋጋ ረኺበ፤ጽሬት መድሓኒት እውን ጽቡቕ እዩ' ኢላ።

ብmTiba ኣቢሎም ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ዝተመዝገቡ ተገልገልቲ ገንዘብ እናዋህለሉ ብዝተሓተ ዋጋ ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ ዝህባ ክሊኒካት ይጥቀሙ ኣለው።

እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ጥቕሚ ካብ ዝውዕል ጀሚሩ ብዙሓት ነበርቲ ኪበራ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ክሊኒኮም እናመጹ ይሕከሙ ከምዘለው ዶ/ር ስተንሊ ሲሚዩ ይዛረቡ።

ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ኣስታት ክልተ ሽሕ ትካላት ጥዕና ብፕሮግራም mTiba ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ፈሪመን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG