ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞያ ጋዜጠኝነት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ እንታይ ይመስል?(1ይ ክፋል)


ጋዜጠኝነት ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ እንታይ ይመስል? ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ጋዜጠኛታትን ሓላፊ ህዝባዊ ርኽባት መንግስትን ክልል ትግራይን ስፍሕ ዝበለ ክትዕ ኣካይዶም ኣለው።

ጋዜጠኛ ኣበበ ኣስገዶም ሓላፊ ሬድዮ ድምጺ ወያነ ትግራይ፣ ኣቶ ግዛቸው ግርማይ ኣብ ክልል ትግራይ ቤት ጽሕፈት ርክብ መንግስትን ሓላፊ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምምሃርን ምስልጣንን ሚዲያን ርክብ ህዝብን፣ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣረጋዊ ወናኒን ማኔጂንግ ኤድተርን ናይ ውልቂ መጽሄት ‘ውራይና’ን ጋዜጠኛ የማነ ናግሽ ኣሰናዳኢ ፖለቲካዊ ዓምዲ ጋዜጣ ‘ሪፖርተር’ እዮም።

ሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽ ዘረጋግጽ ሕገ መንግስቲ ኣብ ስራሕ ካብ ዝውዕል ልዕሊ 20 ዓመታት ተቖጺሩ’ሎ።ጋዜጠኝነት ወይ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ እናደኸመ ይኸይድ ኣሎ’ዶ እናተመሓየሸ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም? ብዛዕባ’ዚ ሕቶን ካልኦት ሕቶታትን እዞም ሞያዊያን መልሲ ሂቦምን ተኻቲዖምን ኣለው።

ቀዳማይ ክፋል’ቲ ዝርርብ ኣብዚ ምስማዕ ይኸኣል።

XS
SM
MD
LG