ኣደ-መንበር ሃገራዊ ኮሚቴ ስነ ምግባር ወ/ሮ ሃና ዋለልኝ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ይልቃልን ካልኦት ኣርባዕተ ተኸሰስትን ዝቐረበ ኽሲ ዝተረኣየ ብናይቲ ኮሚቴን ናይቲ ፓርቲት መምርሕታት እዩ ኢለን።
ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ጀሚሩ ጉዳዮም ክረአ ዝጸንሐ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት፣ሓላፊ ፋይናንስ ዝነበሩ ኣቶ ወሮታው ዋሴ፣ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ስለሺ ፈይሳ፣ሓላፊ ጉዳይ ወዳበ ዝነበሩ ኣቶ ጌታነህ ባልቻን ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ወይንሸት ሞላን እዮም። እቲ ክሲ ናይቲ ፓርቲ ገንዘብ ብዘይኣግባብ ምስ ምጥቃም ዝተተሓሐዘ እዩ።
እቲ ኮሚተ ዘቕረቦ ሓሳብ ኣቶ ይልቃል ጌትነትን ሓላፊ ፋይናንስ ዝነበሩ ኣቶ ወሬታው ዋሴን ካብቲ ፓርቲ ክባረሩ ዝተረፉ ተኸሰስቲ ድማ ካብ ሓላፍነቶም ትሕት ኢሎም መሰሎም ንግዚኡ ክእገድን እዩ ዝብል’ዩ።እንተኾነ እቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከይተውሃቦ ንሳቶም ብዘይፈልጡዎ መንገዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዝወጸ ወ/ሮ ሃና ይገልጻ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ውሳነ ከምዝርክብ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ኦዲትን ቁጽጽርን ገሊጾም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።