ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-ሞያ ጥዕና ሕማም ካንሰር ንምኽልኻል ስትራቴጂታት ይሕንጽጹ


ሊቃውንቲን ተመራመርትን ንሕማም ካንሰር ወይ መንሽሮ ንምሕካም ኣብ ዝሰርሕሉ ዘሎ እዋን ሰብ ሞያ ጥዕና ብወገኖም ካንሰር ዝከላኸሉ ስትራተጂታት ይሕንጽጹ’ለው።ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ሰባት መዓልታዊ ዝሰርሑዎም ነገራት ብምቕያር ወይ ጎዳኢ ዝኾኑ ከባቢያዊ ኩነታት ብምቁጽጻር ኣስታት 50 ሚእታዊት ሕማም ካንሰር ምክልኻል ከምዝክኣል መጽናዕቲ ይገልጽ።

ኣብ መነባብሮና እነካይዶም ውልቃዊ ምርጫታት ብሕማም መንሽሮ ካብ ምጥቃዕ ወይ ነቲ ሕማም ንምኽልኻል ኣገዳሲ ተራ ከምዝጻወቱ እዞም ተመራመርቲ ይገልጹ።

ሰባት ካብ ዘርኢ ሓረጎም ብዝወርሱዎም ንገሊኦም ዓይነታት ሕማም መንሽሮ ዝተቓልዑ ይገብሮም ይብሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆን ሆፕኪንስ ተመራማሪ ዶ/ር ዊሊያም ኔልሰን። ንሶም ብተወሳኺ ክኢላታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሰባት መምስዝነብርሉ ከባቢ ኣብ ሕማም መንሽሮ ፍልልይ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም ኣለው ክብሉ ይሕብሩ።

‘ቻይና ጽቡቕ ኣብነት እያ።ኣብ ገጠራት ቻይና ዝነብሩ ሰባት ብሕማም ካንሰር ከብዲ ወይ ጸላም ከብዲ ናይ ምሕማም ዕድሎም ዝለዓለ እዩ።እዞም ዓይነታት ካንሰር ኣብ ኣሜሪካ ልሙዳት ኣይኮኑን።ቻይናዊያን ደቂ ተባዕቲዮ ብናይ ብልዕልቲ ካንሰር/prostate cancer/ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብናይ ጡብ ካንሰር ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ዝተሓተ እዩ።ኣብ ኣሜሪካ ግን እዚኦም ልሙዳት እዮም።ናብ ኣሜሪካ ዝተሰደዱ ቻይናዊያን ብፕሮስቴትን ጥቡን ካንሰር ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ይውስኽ፤ናይ መዓንጣን ጸላም ከብድን ካንሰር ድማ ይንኪ።’

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾና ኤልዛቤት ፕላትዝ ብኽለት ኣከባቢ፣ምርጫታትን መነባብሮ፡ ውልቃዊ ልምድታትን ሓዊሱ ንሕማም ካንሰር ክትሓምም ወይ ከይትሓምም ቀንዲ ረቛሒታት እዮም ይብላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሰብ-ሞያ ጥዕና ሕማም ካንሰር ንምኽልኻል ስትራቴጂታት ይሕንጽጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:38 0:00

XS
SM
MD
LG