ብዓርቢ ኣብ ዝተዘኸረ ዓለምለኸ መዓልቲ ከባቢ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ዝተጀመረ ኣግራብ ናይ ምትካል ወፍሪ ብምቕጻል ኣብ ከተማ ሃዋሳ ስነ ስርዓት ምትካል ኣግራብ አካይዶም። ሽሕ’ዃ ኣብቲ መዓልቲ ብዝዘነበ ዝናብ ንብዙሕ ካብቲ ኣብቲ መዓልቲ ዝተተኽለ ተኽልታት እንተወሰዶ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ግን ኣብቲ ኣብ ከተማ ቢዩ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምትካል ኣግራብ ተሳቲፎም።
ኣብ ሊባኖስ ብዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላውን ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ክኸፍሉ ዘይከአሉ ኣስራሕቲ ነተን ሰራሕተኛታት ናብ ዋና ከተማ ቤይሩት ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ወሲዶም ይገድፍወን ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ። እቲ ቆንስል ብወገኑ ናብ ሃገረን ክምለሳ 650 ዶላር ናይ ነፋሪት ብምኽፋልን ከምኡ’ውን ን14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ከምዝጸንሓ ብምፍላጥ ናብ ሃገረን የፋንወን ኣሎ።
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ኣብ ኣኼባ ብምርካብ መደረ ኣስሚዖም። ንሶም ምስ መራሕቲ ማሕበረሰብ ቢስነዝ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን “ካብ ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት”ን “ባዶ ቃሎምን” ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ከውታ ለይቲ ኣብ ጎደናታት ጅቡቲ ክጉዓዙ ዝረአዩ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዝጉዓዙ ስደተኛታት እዮም። ወዲ 35 ዓመት ኢትዮጵያዊያ ዒሳ ሓደ ካብዞም ስደተኛታት ኾይኑ ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ይጉዓዝ ምህላው ይገልጽ።
ኣብ መበል 33 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጅስትን ትሩዶ ትማሊ ሰንበት ምስ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ቀ/ሚ ትሩዶ ምስ ቀ/ሚ ኢትዮጵይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከምኡ’ውን ምስ ፕረዚደት ሶማል መሃመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዳይሬክተር ማእከል ምቁጽጻርን ምክልካልን ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ኒከንጋስጎ ሎሚ ሶሉስ ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኽሳብ ሕጂ ኖቨል ዝተባህለ ዓይነት’ቲ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘይተራእየ ሓቢሮም ኣለው።
ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት መንጎኛ ክትከውን ጸዊዖም። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ዝነብረ ዑደት ፕረዚደንት ሲራል ራምፖሳ ከም መጻኢ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ጉዳይ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምርግጋጽ ዓብይ ተራ ክጻወቱ ይክእሉ’ዮም ኢሎም።
ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንራብዓይ ጊዜ ኣብ አዲስ አበባ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ኢትዮጵያ፡ግብጺንን ሱዳንን ትማሊ ሓሙስ ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ተገሊጹ። ግብጺ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዘተ ክፍታሕ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ’ላ። ሚንስትሪ ማይ ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ብወገኖም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይከአለ ግብጺ ኣብ ስምምዕ ዘብጽሕ ነጥብታት ዘይምቕራባ ምኳኑ ይገልጹ።
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምህ ሻኩረይ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብመንጎኛታት ዝካየድ ልዝብ ሃገሮም ከምትሳተፍ ትማሊ ሶሉስ ኣፍሊጦም። ግብጺ፡ሱዳንን ኢትዮጵያን “ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሕዳር 6 ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ክዘራረቡ’ዮም” ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምህ ሻኩረይ ሓቢሮም።
ንክልተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሓ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን ሎሚ ክዛዘም’ዩ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ሱኪ ሩስያ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ ክኾኑ ከለው ሩስያ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጽልዋ ብምዕባይ ዝዓለመ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
ተወሳኺ ጽዓን