ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ ወተሃደራዊ ወፍሪ የካይዱ


ወሃብ ቃል ሓይልታት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንራያ ሓራ ንምውጻእ ሓድሽ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምጅማሮም ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሮም። እዚ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክልተ ሰሙን ድሕሪ መንግስቲ ዝወሰዶ በይንኣዊ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስጕምቲ’ዩ።

ኣብ እዋን ጻውዒት ቴለፎን ኣብታ ሓራ ዘውጽኡዋ ከተማ ኣላማጣ ምንባሮም ዝሓበሩ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ንሰራዊት ፈደራልን ሚሊሻ ኣምሓራን “ንሃድኖም” ኣሎና ኢሎም። እቶም ወሃብ-ቃል፡ ኣብቲ ብሰኑይ ከም ዝጀመሩዎ ዝገለጹ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንሰፊሕ ደቡባዊ ክፋል ዳግም ከም ዝተቖጸጸሩዎ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ብዅረት መስመራት ቴለፎንን ካልእ መራኸቢታትን ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ብናጻ ምንጪ ምርግጋጹ ኣይተኻእለን። ንቤት-ጽሕፈት መራኸቢታት መንግስቲ ምርካብ’ውን ኣይሰለጠን።

ብ 4 ሕዳር ብትእዛዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝጀመረ ወታሃደራዊ ወፍሪ፡ ንገዛኢ ሰልፊ ትግራይ (ህወሓት) ካብ መዝነቱ ምእላይን ነቶም “ገበነኛታት” ዝበሎም ሰበ-ስልጣን’ቲ ውድብ ኣብ ቀይዲ ንምእታውን’ዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ድሕሪ ምእታዋ፡ እቲ ስርሒት ከም ዝተወድአ፡ ማእከላይ መንግስቲ ደኣ ይግለጽ እምበር፡ እቲ ኲናት’ሲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ቀጺሉ’ዩ።

ብ28 ሰነ ሓይልታት ትግራይ ዳግም ንርእሰ-ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ድማ፡ ፈደራል መንግስቲ በይንኣዊ ተበግሶ ምቍራጽ ተጻብኦታት ወሲዱ።

ሰኑይ ዝጀመረ ወፍሪ እምበኣር ነቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክልልኣምሓራ ዘሎ ደቡባዊ መሬት ንምምላስ’ዩ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድማ “ነፍሲ-ወከፍ ስድሪ” መሬት ትግራይ ከምልሱ ምዃኖም ጠቒሶም።እቶም ወሃብ-ቃል ቦታ ደኣ ኣየነጽሩእምበር፡ ንሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዘዳውብ ምዕራባዊ ወገን ኲናት ይካየድ ምህላዉ’ውን ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG