ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝምድና ፈረንሳን እንግሊዝን ብጉዳይ ስደተኛታት ይሽሕክር


ኣብ መትረብ እንግሊዝ ህይወት 27 ድሕሪ ዝወሰደ ሓደጋ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ክልተ ሃገራት ክልቲኣን ሃገራት ክዘራረቡ ወጢኖም እንተነበሩ'ዃ ፈረንሳይ ከም ዝሰረዘቶ ኣፍሊጣ። ፈረንሳይ ነቲ ውሳነ ዝወሰደት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን ንፈረንሳይ ዝወቅስ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ድሕሪ ምጽሓፎምን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምልጣፎምን’ዩ።

ጆንሶን ኣብ ደብዳበኦም ብመትረብ ብሪጣንያ ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ምዃንም ኣመልኪቶም ነይሮም።

ክልተ ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ መትረብ ተደጋጋሚ ምስሕሓብ ደኣ ይጽንሓየን እምበር፡ ሕጂ ግን ናብ ዝኸፍአ ፍሕፍሕ ምብጻሑ ይዝረብ።

ንመራሕቲ ፈረንሳይ ዝያዳ ዘቘጥዐ እቲ ደብዳበ ብኽፉት ናብ ህዝቢ ምዝርጋሑ’ዩ። እዚ ድማ ንስምምዕ ክልተ መራሕቲ ሃገራት ዝጥሕስ ምዃኑ ይኸሱ። ስለዚ ከኣ ንእንግሊዝ ሓዲጎም፡ ፈረንሳይ፡ በልጂም፡ ኔዘርላንድስን ጀርመንን ሰንበት ክዛራረቡ’ዮም፡፡

XS
SM
MD
LG