ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ሶላን ኮሊ ተዓዋቲ ሽልማት ሮሪ ፔክ ኾይኑ


ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ሶላን ኮሊ ኣብ ሃገሩ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ንዘሎ ኲናት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ብዝሃቦ ሽፋን ተዓዋቲ ሽልማት ሮሪ ፔክ ኾይኑ ። ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝሰርሕ ሶላን ኮሊ ነዚ ሽልማት ዝበቕዓ ኣብ ጨፍጫፍ ሰላማውያን ሰባት ዝጠመተ ዝሰርሖ ፀብፃብ እዩ ። ኣብቲ ሕርያ ዝነበሩ ዳያኑ “ እዚ ብዙሕ ሽፋን ዘይተዋህቦ ግጭት ኮይኑ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓቂ ዝነግር እዩ “ ክብሉ ተዛሪቦም ።

ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ካብ ዝነበሩ ነፃ ማዕከናት ዜና ሓደ እዩ ።

ንሸውዓተ ዓመታት ኣብዚ ሞያ ዝፀንሐ ሶላንኮሊ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብኣማኢት ዝቁቑፀሩ ሰላማውያን ሰባት ንዝተጨፍጨፉሉ መቃብራት ማይ ካድራ ዝሰኣለ እዩ ። ኣብቲ ኣብ ሑመራ ግዳያት ናይ ዝኾኑ ስድራ ቃለ መሕተት ምክያዱ'ውን አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝለኣኾ ፀብፃብ ጠቂሱ ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG