ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬሳ 28 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ጸጥታ ትማሊ ሰንበት ሬሳ 28 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ተገሊጹ።

አባላት ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ካብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ኣስታት 90 ኪ.ሜ. ርሕቐት ኣብ ትርከብ ገማግም ባሕሪ ኣል-ኣሉስ ሬሳ 28 ስደተኛታት ብህይወት ዝተረፉ ሰለስተ ሰባትን ኣብ ክልተ ቦታታት ምርካቦም ምንጭታት ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሮም።

እዚ ዳሕረዋይ ሓደጋ ዝስማዕ ዘሎ 160 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ሓደጋድሕሪ ምሟቶም ቁሩብ መዓልታት'ዩ።

XS
SM
MD
LG