ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትካል ትዊተር “ጸግዒ ትግራይ ምሓዙ” ይኸስስ


ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር ንገለ ተጠቀምቲ ትዊተር ሕግታቱ ጥሒሶም ኢሉ ብምኽልካሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ክሲ ከም ዘቕረበ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣመልኪቱ።

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ትዊተር ንተሓለቕቲ ኢትዮጵያውያን ዒላማ ይገብር ከም ዘሎ ጠቒሳ። ንሳ ወሲኻ፡ ትካል ትዊተር ተደናገጽቲ ህወሓት ሰሊኾሞ ኣለዉ ትብል። ቢልለኔ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኣ ካልኦት ዓበይቲ ትካላት’ውን ብተመሳሳሊ ስልኳ ከም ዝተጠቕዓ’ያ እትሕብር።

ዋላ’ኳ ኣየኖት ተሓለቕቲ ኢትዮጵያ ዝዀኑ ተጠቅምቲ ትዊተር ከም ዝተኸልከሉ ደኣ ኣይትጥቀስር እምበር፡ ወግዓዊ ጥርዓን ናብ ክፍሊ ፖሊሲ ትዊተር ኣቕሪቦም ከም ዘለዉ’ውን ቢልለኔ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢራ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኒው ኣፍሪካ ኢንስቲትዩት ዝተሰምየ ትካልን ኣካያዲኣ ስምኦን ተስፋማርያምን ካብ ትዊተር ምኽልካሎም’ውን ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ቍጥዐ ፈጢሩ ኣሎ፡፡

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ “ስምኦን ብዝገብሮ ዓሚቝ ምርምር ኣንጻር ዝምቡዕ ዜናታትን ፖለቲካዊ ኣድልዎ ዝሓዙ ናይ ቀንዲ ማዕከናት ዜና ትንታነን” ጽሑፋት ብምክፋሉ ክምጕስ ዝግበኦ’ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ወሲኹ ሚኒስተር የማነ፡ እቲ ትዊተር ዝወሰዶ ስጕምቲ ዘይቅቡል’ዩ ድሕሪ ምባል ብቕልጡፍ ዳግም ክምርመር ጸዊዑ።

ወሃብ ቃል ትዊተር፡ ስምኦን፡ ሓያሎ ምስሩሓት ኣካውንት ብምኽፋትን ንዘየሎ ምልልስ ንኽፈጥር ዕድል ብምፍጣርን ንፖሊሲ ትዊተር ከም ዝጠሓሰ የመልክት። እቲ ወሃብ ቃል ወሲኹ፡ ትካል ትዊተር ፖለቲካዊ ጸግዒ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG