ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ሕ/ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ዘይተፈቐደ” ቃለ-ምልልስ ንዘካየደት ሰራሕተኛኡ የደስክል


ሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ማውሪን ኣሺንግ
ሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ማውሪን ኣሺንግ

ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ንሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ዘይተፈቕዳ ቃለ፡ምልልስ ገይራ ብምባል ካብ መዝነታ ተኣልያ ኣብ ዕረፍቲ ክትጸንሕ መምርሒ ሂቡ። እታ ካብ ስራሓ ዝደስከለት፡ ማውሪን ኣሺንግ፡ ኣብቲ ንሓደ ጋዜጠኛ ዝሃበቶ’ሞ ዳሕራይ ልሒኹ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘውር ዝቐነየ ቃለ፡ምልልስ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ትግራይ ንዝደናገጹ ሰራሕኛታት ከም ዘድሉ ትጠቅስ።

ኣብቲ “ተቖራሪጹን ዘይግቡእ መልክዕ ሒዙ ወጺኡን” ዝበለቶ ቃለ፡ምልልስ፡ እታ በዓልቲ ስልጣን፡ ንህወሓት ክፅልፍን ንትግራይ ክትምለስ ከም ዘይትደሊን’ውን ትገልጽ’ያ። እታ ሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ንመራሕቲ ህወሓት እውን፡ ኣብቲ ኲናት ከዕስክሩ ብዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ስዑዲያ ንዝርከቡ መንእሰያት ናብ ርዋንዳ ክስጎጉ ይሰርሑ’ዮም ዝብል ክሲ ኣቕሪባ ነይራ ።

ብመሰረት ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዝወጸ መግለጺ እምበኣር፡ ርእይቶ ማውሪን ኣሺንግ፡ ንዘይሻራዊ መትከላት እቲ ትካል ዝጻረር ብምባል’ዩ ካብ ስራሓ ክትጽንሕ ወሲኑ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG