ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

25 ሬሳታት ካብታ ቕድሚ ክልተ መዓልታት ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝጠሓለት ጀልባ ምርካቡ ተገሊጹ


ፋይል- ኣብ ከተማ አደን የመን ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት
ፋይል- ኣብ ከተማ አደን የመን ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት

ኣስታት 200 ሰባት ፅዒና ኣብ ማያት የመን ካብ ዝተሓለት ጀልባ ሎሚ ሶኑይ ናይ 25 ሰባት ሬሳ ምርካቡ ንናይ ሓደ ግዝኣት በዓል ስልጣን ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።

ነቶም ሬሳታት ዝረኸቡ ገፈፍቲ ዓሳ ራስ ኣል-ዓራ ኣብ ዝተባህለ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ላሂድ ከምዝረኸቡዎ ንኤኤፍፒ ገሊፆም።

እታ ጀልባ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ከምዝጠሓለትን ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋት ከምዘይፍልጠን ተሓቢሩ ኣሎ።

መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ልዕሊ 32 ሽሕ ፍልሰተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ብሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ነናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተተገበረ እውን ሎሚ እውን ኣብታ ድኻ ሃገር ተቐርቂሮም ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG