ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ምቁራጻ ኣፍሊጣ


ፋይል- ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን
ፋይል- ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስግኣት ግጭት እናወሰኸ ኣብ ዝመጻሉ እዋን ፈረንሳ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ወታሃደራዊ ስምምዕ ምቁራፃ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ክልተ ምንጭታት ብምጥቓስ ኣጃንሳ ፍራንስ ፕረስ (AFP) ሎሚ ዓርቢ ፀብፂቡ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑወል ማክሮንን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ መጋቢት 2019 ዝተፈረመ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ውዕል፡ፈረንሳ ንኢትዮጵያ 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ክትሕግዛ’ዩ ነይሩ። እቲ ሕጂ ከም ዝፈረሰ ዝንገረሉ ዘሎ ስምምዕ ወተሃደራዊ ሓገዝ ፈረንሳ ንምህናፅ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ’ዩ ክውዕል ተመዲቡ ነይሩ፡ ።

ነቲ ወተሃደራዊ ስምምዕ ንምዝራዝ ዝደፍአ ምኽንያት ግን ኣይተገልጸን። ነዚ ሓበሬታ ዝፈነወ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ግን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ስእነት ጸጥታን ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG