ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንከተማ ላሊበላን ካልኦት ሓያለ ከባቢታት ምቁጽጻሩ ተገሊጹ


ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ
ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ጸጥታን ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣሸባሪ ክብል ናይ ዝጸወዖ ህወሓትን ዕጡቓትን ሒዞሞ ዝነበሩ ሓያለ ቦታታት ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ተቖጻጺርና ክብሉ ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ኣፍሊጦም።

ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መዝለሊ መጻኢ ዓወታት ብምባል ንዝገለጽዎ ተረኺቡ ዝበልዎ ወታሃደራዊ ዓወታት ኣብ ግንባር ጋሽና ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ብጥምረት ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ንኸተማታት አርቢት: ኣቃትን ዳቦን ጋሺናን ነጻ ኣውጺኡ'ሎ ድሕሪ ምባል ኣብቲ ግንባር ጸላኢ ዝሃነጾ ናይ ኮንክሪት ድፋዕ'ዉን ምቁጽጻሮምን ሓይለ ኣጽዋር ምምራኾምን ሓቢሮም ።

ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ወሲኾም ኣብ ግንባር ወረ-ኢሉ ንኸተማታት ጅማ: ደጎሎ: ወረ-ኢሉ: ገነተ ፍንጮፍቱን ኣከሰተን ናጻ ኣውጺኡ ኣብ ግንባር ሸዋ ኸኣ መዘዞ: ሞላለ: ንሽዋሮቢትን ከባቢኡን ራሳን ከባቢኡን ነጻ ኣውጺኡ ኢሎም። ቅድም ክብል ግንባር ምብራቅ ብጥምረት ሰራዊት ምክልኻልንን ፍሉይ ሓይልን ሚሊሽያን ዓፈር ኣሳጊታ: ኡርቃ: ዋሂማ: ጨፍቱ: ድሬሮቃ: ጭፍራን ኣለለን ነጻ ከምዝወጻ ገሊጾም።

እዚ ከምዚሉ ኸሎ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ክልል ትግራይ ማእኸላዊ እዚ ኢሉ ዝጽውዖ ኣካል ዘሎ ህልው ኩነታት ኣጽኒዑ ቀጻሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ወሲኑ'ሎ ኢሎም ለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግድብ ሃይድሮ ኤሌትሪክ ተከዘ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክብሉ'ዉን ከሲሶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን እዚ ሓሶት ወረ'እዩ ብምባል ኣሉታ ሂብሉ'ሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ ንመግለጺ ሚኒስተር መራኸቢታት ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ፡ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ንኸተማ ላሊበላን እንኮላይ ማዕርፎ ነፈርቲ እታ ከተማን ከም ዝተቖጻጸሩ ጸብጺቡ ኣሎ። ከተማ ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኢያ ጸኒሓ።

XS
SM
MD
LG