ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ናይ ህላወ ቃልሲ:” ንዂናት ክልል ትግራይ ዝዝውር ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ ዓሌታዊ ምፍጣጥ


ኣሰፋው ኣበራ፡ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣቢሉ፡ ካብ መንበሪ ገዛኡ ምስ ወጸ፡ንሱዳን’ዩ ኣምሪሑ። ነቲ ዘይምቹእ ቦታ ብእግሩ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ እዋን ድማ ወታሃደራትን ተቓወምቲ ትግራይ ካብኡ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ቦታታት ይዋግኡ ነይሮም።

ተወላዲ ብሄረ ኣምሓራ ዝኾነ ኣሰፋው፡ ንዓዱ ዝምለሰሉ እዋን ካብ ምምዕዳው ደኣ ኣየዕርፍ እምበር፡ ንሰላሳ ዓመታት ዝኸውን ኣብ ካርቱም ኣብ ስራሓት ጽሬትን ካልእ ዕለታዊ ሸቕሊን’ዩ ክነጥፍ ጸኒሑ።

ዝሓለፈ ወርሒ ግን ሕልሙ ሰሚሩሉስ ምስቶም ብመንግስቲ ክጣየሱ ዝተጸውዑ ስደተኛታት ንሑመራ ተመሊሱ። ነቲ ብንእሽቶኡ ዝገደፎ ዘራእቲ መሸላን ሰሊጥን ምስ ረኣየ ድማ ብምድፍናቕ ነቢዑ።

ምጥያስን ምምላስን ከም በዓል ኣሰፋው ዝኣመሰሉ ተወላዶ ኣምሓራ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ሑመራ ብተወላዶ ትግራይ ተዓብሊሉ ዝነበረ ብዝሒ ንምስትኻኻል’ዩ ዕላማኡ።

እዚ መደብ’ዚ እምበኣር ድሕሪ’ቲ ንኣሽሓት ዜጋትት ንስደት፡ ሞት፡ ምምዝባልን ደርቂን ዝመርሐ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ኲናት’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ንወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ስዒሮም ንዋና-ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ንዓለም ኣደኒቖም’ዮም። ሕጂ ከኣ ጠመተኦም ንኸም በዓል ኣሰፋው ዝኣመስሉ “ወረርቲ” ኢሎም ዝፅውዕዎም ንምቅላስ’ዩ። ብኣገላልጻኦም “ነፍሲ-ወከፍ ስድሪ መሬት” ትግራይ ናጻ ክሳብ ትኸውን ደው ኣይክብሉን’ዮም።

“ዘነቓንቐና ኣካል የለን”

ልሙዕ መሬት ምዕራባዊ ትግራይ፡ ንመን ከም ዝብጽሖ ንኣምሓራን ተጋሩን ወትሩ ምስ ኣከራኸረ’ዩ። ክልተ ተመዓደውቲ ሓይልታት ድማ ንሰለኡ “ህይወቶም ክኸፍሉ” ድሉውነቶም የርእዩ።

ኣሰፋውን እቶም ምስኡ ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ኣስታት 15,000 ስድራቤታት ተወላዶ ኣምሓራ እምበኣር ካብቶም ህይወት ክህቡ ቅሩባት ዝኾኑ’ዮም።

ኣሰፋው ኣብቲ ምስ በዓልቲ-ቤቱን ሸውዓተ ደቁን ዝነብሮ ዘሎ ሓድሽ ናይ ሑመራ ገዛኡ ኮይኑ፡ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝፍኖ ዘሎ ዘረባታት ዋጋ ከም ዘይህቦ ይጠቅስ። “ሓግሒጎም ከውጽኡና ምዃኖም ይፍክሩ ኣለዉ። ዝመጸ ይምጻእ ግን ካብዚኣ ዝነቕለና የለን። ሳለ ፈጣሪ ግዜና መጺኡ’ዩ፡” ክብል ድማ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ገሊጹ።

ኣሰፋው ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣቢሉ ካብ ገዛኡ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣንጻር ናይቲ ቅድሚ ወርሒ ብሓጎስ ዝተመልሶ’ዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ 90ታት ክወጽእ እንከሎ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ነቲ ብመንግስቱ ሃይለርማርያም ዝምራሕ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ምቅርራብ’ዮም ነይሮም። ኣብ 1991 ድሕሪ ምኣላዮም ድማ ንዝመጽእ 27 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ቦታ’ዩ ጸኒሑዎም።

ህወሓት ካብ ዘተኣታተዉዎ ለውጥታት ነታ ሃገር ናብ ትሸዓተ ክልላት ምምቃልን ንሑመራ ዘጠቓልል ምዕራባዊ ክፋል ድማ ናብ ክልል ትግራይ ምእታውን’ዩ ነይሩ።

ነቲ ሓድሽ ቅርጺ ምምሕዳር፡ ተወላዶ ኣምሓራ፡ ከም ምምንዛዕ መሬት ደኣ ይርኣዩዎ እምበር፡ ተቓውሞኦም ከስምዑ ግን ኣይከኣሉን። ሎሚ፡ ሓያሎ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝቕመጡ ተወላዶ ኣምሓራ፡ ንምምሕዳር ህወሓት፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንምዝራብ’ውን ዝፈርሑሉ ዝነበሩ ግዜ ሽቝረራ ኢሎም ይገልጹዎ።

ምዕራባዊ ክፋል ናብ ክልል ኣምሓራ ክኣቱ ኣለዎ ኢሎም ዝጕስጕሱ ተወላዶ ኣምሓራ ምፍርራሕ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ማእሰርቲ’ዩ ዝጽበዮም ነይሩ።ተደጋጋሚ ግዜ ኣደዳ ማእሰርቲ ምዃኑ ዝሓበረ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ ሲልታል ኣድማሴ “ክንደይ ስቓይ ርእየ’የ። እንታይ ከም ዝገበሩኒ ክሓስብ’ውን ኣኻእሎ የብለይን፡” ይብል።

“ሓድሽ ምዕራፍ”

ኣንጻር መንግስቲ ዝካየድ ተቓውሞ በርቲዑ፡ ኣብ 2018 ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ግን ሚዛን ሓይሊ ህወሓት’ውን ዘጢጡ።

ኣብ መንጎ’ቶም ንዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝጸንሑን ሓደስቲን ብዝተፈጥረ ፍሕፍሕ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ኲናት መሪሑ። ኣብ መንጎ’ዚ መሪር ኲናት ንሑመራን ከባቢኣን መን ተቖጻጸሮ’ዩ።

ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምንስሓቦም፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ምምሕዳሮም ክተኽሉ ግዜ ኣይወሰዱን።

ነቲ ብህወሓት ዝቖመ ሓወልቲ ኣፍሪሶም፡ ንወተሃደራዊ መዓስከራት’ውን ደምሲሶም። ነባሪ ህዝቢ ናብ ክልል ኣምሓራ ግብሪ ዝኽፍለሉ ቅርጺ ቆይሙ፡ ንህጻናት ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ’ውን ተመስሪተን።

ካበየ ርሑቕ ሰፈር ይምጽኡ ብዘየገድስ ድማ ንተወላዶ ኣምሓራ መሬታን ኣባይቲን ብኣሽሓት ዓዲሎም። ኣሰፋው እምበኣር ሓደ ካብቶም በዚ መስርሕ’ሲ ዝተጣየሰ’ዩ።

እቲ ሃንደበት ዝመጸ ለውጢ ንገሊኣቶም፡ ካብ ክቱር ተሓጓስ ክኣምኑዎ’ውን ኣጸጊሙዎም’ዩ። ስዩም በሪሁ ዝተባህለ ሓረስታይ “ዳግም ከም ዝተወልደ” ኢዩ ዝነግር። “ወዲ 58 ዓመት ደኣ ይዅን እምበር፡ ሕጂ እውለድ ከም ዘለኹ’ዩ ንነብሰይ ዘእምና። ዝሓለፈ ህይወተይ ረስዓዮ፡ ትርጕም ኣይነበሮን። እዚ ምግንና ኣይኮንነ፡ ናይ ብልበይ’የ ተሓጒሰ” ክብል ድማ ይገልጽ።

“ሞትን ህይወትን”

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ኣምሓራ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ክንድኦም ዝኾኑ ተጋሩ ድማ መንበሪኦም ገዲፎም ንሱዳን ወይ ድማ ውሑስ ናብ ዝበለዎ ካልእ ቦታታት ትግራይ ግዒዞም።

እቲ ምብዳም ህዝቢ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኮይኑስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት “ምጥፋእ ዓሌት ይፍጸም ኣሎ” ክብሉ ንባይቶ ኣመሪካ ተዛሪቦም ነይሮም።

ላዕለዎት መራሕቲ ኣምሓራ፡ ነቲ ክሲ ይንጸጉዎ ደኣ’ምበር፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ምዕራባዊ ትግራይ ምምሕዳሩ ምስ ክልል ኣምሓራ ምዃኑ ይዛረቡ።

ጋዜጠኛታት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሑሙራ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን’ውን፡ ኣምሓደርቲ ኣምሓራ፡ ነቲ ዘሎ ሰላማዊ ኩነታት ከርእዩ ፈቲኖም’ዮም። ንተጋሩ ክወጹ ዘገድዶም ኣካል ከም ዘይነበረ ንምርኣይ ድማ ኣብቲ ዓዲ ተሪፎም ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ ንምርኣይ ጽዒሮም።

ወዲ 67 ዓመት ተስፋዬ ወልደገብርኤል ሓደ ካብቶም በቲ ኲናት ኣመና ተሻቒሎም ዝነበሩ’ሞ ዝኾነ ጸገም ከም ዘየጓነፎም ዝዛረቡ ትግራዋይ’ዮም። ሰበ-ስልጣን ኣምሓራ ብዝኣተዉሎም ናይ ውሕስነት ቃል ምጽናሖም ድማ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሮም። እቶም ዝሃደሙ ተጋሩ ምስ ህወሓት ኢድ ዘለዎም ምዃኖም ከኣ ይዛረቡ።

“ሓደ መንግስቲ ከይዱ ካልእ መንግስቲ ክመጽእ እንከሎ፡ ብሓጐስ ክትቅበሎ ኣለካ” ድማ ይብሉ።

ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ግን ዝተፈልየ ስእሊ’ዩ ዝህብ። ተደጋጋሚ መጥቃዕቲን ተዅሲን ዕረፍቲ ኣይሃበን። መራሕቲ ትግራይ’ውን ደቂሶም ከም ዘይሓድሩ ተዛሪቦም’ዮም።

መራሒ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ቃለ-መሕተቶም፡ ናብቲ ናይ ቀደም ዶባት ክሳብ ዝምለስ ክቃለሱ ምዃኖም ኣመልኪቶም ነይሮም።

“እቶም ንብረት መንግስቲ ትግራይን ውልቀሰባትን ዝዘረፉ ኣካላት ቀልጢፎም ከመልሱዎ ንጽውዕ፡” ኢሎም ነይሮም እቶም ፕረዚደንት’ቲ ክልል። “እንተ ዘይኰነ ድማ ብሓይሊ ክንምለሶ ኢና” ኢሎም።

ብምውሳኽ ሓይልታት ሰራዊት ፈደራል ፍናኖም ክብ ኢሉ ዘሎ ዝመስል መራሕቲ ክልል ኣምሓራ’ውን ክምህ ከም ዘይብሉ ካብ ምርኣይ ኣይበዀሩን። ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዝኾኑ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ብህወሓት ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምምካት ህዝቢ ዓቕሙ ከበርክት ይጽውዑ ኣለዉ። ከምኡ ንምግባር ድማ ሓገዝ ዝጣረቐመሉ ናይ ባንክ ሕሳብ እዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ትዊተር ኣካፊሎም። እቲ ኲናት “ሞትን ህይወትን” ክኸውን ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG