ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ አላማጣ ምቁጽጻሩ አጃንስ ፍራንስ ሓቢሩ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራቱ ንሓንቲ ኣብ ደቡብ ትግራይ ትርከብ ከተማ ካብ ተዋጋእቲ ትግራይ ዳግም ከምዝሓዙ ኣፍሊጡ

ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምንስሓቡ ብምግላጽ ኩናት ጠጠው ክብል ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝጸውዐ ዕጡቕ ጉጅለ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነቲ መንግስቲ ዝበሎ ምትሓዝ ከተማ ትግራይ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ "ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሓይሊ ጸላኢ ጸሪጉ ንከተማ ኣላማጣ ተቖጻጺርዋ`ሎ" ድሕሪ ምባል እቲ ኩናት ከምዝቕጽል ኣመልኪቱ`ሎ።።

ዘይተረጋገጸ`ኳ እንተኾነ፡ ህወሓት ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ምውጽኡ ነቲ 13 ኣዋርሕ ዘቑጸረን ህይወት ኣሸሓት ዘጥፈአን ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረን ግጭት ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ተራእዩ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG