ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንዓውደ-ኲናት ዝምልከት ዜና ከይዝርጋሕ ከልኪላ


ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ንዝካየድ ዘሎ ኲናትን ወተሃራዊ ግጥማትን ኣመልኪቱ ዝዀነ ሓበሬታ ብመራኸቢታት ከይዝርጋሕ ከልኪሉ። እቲ መምርሒ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወጻኢን መራኸቢታት ዝምልከት ኮይኑ እዚ ኣካል’ቲ ኣብ ፈለማ እዋን ናይዚ ወርሒ ብዛዕባ ዝወረደ መምርሒ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣሳሰር'ዩ።

ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ ነዚ መምርሒ ዝጠሓሰ ዝዀነ ማዕከን ዜና ስጕምቲ ክውደሰሉ ምዃኑ የመልክት።

ክወርድ ዝኽእል ሳዕቤን ደኣ ኣየነጽር እምበር፡ እቲ መምርሒ’ውን ነቶም “ኣሽበርቲ” ዝብሎም ማዕከናት ዜናታት ህዝቢ ከይከታተሎም’ውን መምርሒ ኣተሓላሊፉ ኣሎ።

እቲ ትማሊ ዝወጸ መምርሒ’ውን ዝዀነ ኣካል “መሰጋገሪ መንግስቲ” ኢሉ ከይጠቅስ ዝኽልክል’ዩ። እዚ ፈደራላዊ ባይቶ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንዘተ ኣመልኪቱ ድሕሪ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ “መሰጋገሪ” ክብል’ዩ ጠቒሱዎ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG