ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ትግራይ ዓመፅቲ ብከቢድ ብረት ንስቪላት ደብዲቦም ዝብል ክሲ ቀሪቡዎም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ፋይል
ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ፋይል

ዕጡቓት ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንገጠራትን ከተማታትን ብከቢድ ብረት ብምድብዳብ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ቶኽሲ ብምኽፋት ንዓሰርተታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰባት ቀቲሎም፣ኣቑሲሎምን ንብረት ዘሪፎምን ክብሉ መሰኻኽር ንኤኤፍፒ ተዛሪቦም።ህወሓት ከምዚኦም ንዝበሉ ክስታት ቅድሚ ሎሚ ብምንፃግ ብነፃ ወገን ክፃረ ፀዊዑ እዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ጥቓ ከተማ ቆቦ ተፈፂሙ ዝበሎ "ጭፍጨፋ’’ ክብል ገሊፁዎ ኣሎ:: ዋላ'ኳ ህወሓት ቅድም ክብል ንስቪላት ዒላማ ይገብር እዩ ንዝብል ክሲ ኣሉታ እንተሃበሉ እውን።

መሰኻኽር ከምዝበሉዎ 9 መስከረም 2021 ተዋጋእቲ ህወሓት ካብ ቆቦ ንኣንፈት ደቡብ ሸውዓተ ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብረትን ኣፅዋርን ይፍትሹ ምስ ጀመሩ ነበርቲ ቶኽሲ ከፊቶም ንህወሓት ካብታ ከተማ ምስ ኣባረሩዎም እቶም ዕጡቓት ብፅባሒቱ ንስቪላት ከምዘጥቕዑ መሰኻኽር ገሊፆም።

ኮሚኒኬሽን ብምዕፃው ኤኤፍፒ እቶም ተመዛቢሎም ኣብ ደሴ ካብ ዝርከቡ ዝረኸቦ ቃል መሰኻኽር ንምርግጋፅ ኣፀጋሚ እዩ።

"ንሓረስቶትን ካብ ጎረባብቲ ከባቢታት ንስራሕ ዝመፁን ጨፍጪፎም’’ኢሉ ነባራይ ከተማ ቆቦ ንኤኤፍፒ ካብ ደሴ ኣብ ዝሃቦ ቃል: እዚ ድሕሪት ዝተረፉ ኣባላት ስድርኡ ሓደጋ ከይወርዶም ብምስጋእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ሰብ‘'ኣብ ሓደ ቀፅሪ ሸውዓት ሬሳ ሪአ።ኣርባዕቲኦም ካብ ሓደ ስድራ እዮም’’ኢሉ ።

ካልእ ምስክር ካብ ደሴ ንኤኤፍፒ ከምዝገለፆ ኣብ ጥቓ ቆቦ ኣብ ዝርከብ ዞቡል ኣብ ዝተብሃለ ናይ ገጠር ዓዲ ህወሓት ቶኺስ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ስቪላይ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ ዝሞቱ ሰባትን ዝዓነው ህንፃታትን ምርኣዩ ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ብቲዊተር ፅሒፎም:ነዚ መረጋገፂ ኣይሃቡን።

ህወሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ክሲ "ፍፁም ጌጋ’' እዩ ብምባል አካልብነፃ ክምርመር ፀዊዑ ኣሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን "ህወሓት ኣብ ቆቦ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ፈፂሙዎ ዝብሃል ዘሰንብዱ ፀብፃባት በፂሑና ኣሎ’’ ክብል ኣብዚ ሰሙን ገሊፁ ኣሎ።

ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ስግኣት ሞት ዝፈጠረ ሰፊሕ ጥምየት ክኽሰት ዝገበረ ምኽባብ ንምስባር እዩ ይብል።

ቶኽሲ ጠጠው ክብል ዓለምለኸ ፃውዒት እንተወሓዘን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ስምምዕ ክፍፅሙ ዘይኽእሉ እንተኾይኖምን ኣብ ልዕሊ ተዋጋእት ወገናት እገዳታት ዘንብር ፈፃሚ ትእዛዝ እንተፈረሙ እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕጂ'ውን ቀፂሉ ይርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሰሜን ወሎ ከባቢ ቆቦን ከባቢኡን ብሓይልታት ህወሓት ተፈፂሙ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ልዕሊ 500 ሰባት ብዛዕባ ምቕታሎም ሓበሬታ ከምዝበፅሑ ኢሰመጉ ገሊፁ።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ካውንስል(ኢሰመጉ) 5 ጳጉሜን 2013 ተፈፂሙ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ናይ ሕርሻ ዘራእቲ ሓዊሱ ናይ ውልቅሰባትን ህዝብን ንብረት ምዕናው ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ብዝምልከት መረዳእታ ከምዝበፅሖ ኣፍሊጡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:27 0:00


XS
SM
MD
LG