ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ስምምዕ ዝተበጽሑ ኩሎም ውዕላት ብግዚያዊነት ከምትቕበል ኣፍሊጣ


ሱዳን ኣብ ኣሰሓሓቢ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ክትሰማማዕ ትኽእል ብግዚያውን ኣብ ትሕቲ ቅድመ ኩነትን እዩ ክብሉ ሚኒስትር ማይ ሱዳን ሎሚ ሶኑይ ገሊፆም።

ታሕተዎት ተስፋሰስ ግብፅን ሱዳንን ኢትዮጵያ ኣብ ኣመላልኣን ኣሰራርሓን እቲ ግዙፍ ግድብ ንኣሳሪ ስምምዕ ክትፍርም ክደፍኣ ፀኒሐን እየን።

ሚኒስትር ማይ ሱዳን ያስር ዓባስ ኣብ ካርቱም ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ "ሓፂር ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቅድመ ኩነታት ዛጊት ኣብ ስምምዕ ዝተብፀሓሎም ኩሎም ውዕላት ሓዊሱ ንግዚያዊ ስምምዕ ክትቕበል እያ’’ ኢሎም ።

ዝሓለፈ ዓመት ናይ መጀመሪያ ምዕራፍ ምምላእ እቲ ግድብ ምፍፃማ ዝገለፀት ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ተበፅሕ ኣይተበፅሐ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ምምልኣ ከም እትቕፅል ገሊፃ ኣላ።

XS
SM
MD
LG