ትማሊ ሰሉስ ፡ሕጊ ምርጫ ኬንያ ንምምሕያሽ ዝተኣከቡ ኣባላት ፓርላማ`ታ ሃገር: ንሓድሕዶም ብምጉሳጦም ተቛሪጹ።
እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ በርሊን ናይ ጽዕነት መኪና ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ደይ መደይ ኢልካ ዝተገብረ ምዃኑ ጥርጥር የለን ክብሉ ሚኒስተር ውሽጢ ሃገር ጀርመን ቶማስ ማዚኦረ ኣፍሊጦም።
ናይ ኣሜሪካ ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ንጉዳያት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ቶም ማሊኖውስኪን: ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ ምይይጥ ምክያዶም ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝበጸሓና ዜና ሓቢሩ።
በዚ ሓድሽ ዝወጸ ሕጊ መሰረት እቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ዘመሓድር ዝነበረ ቢቢጂ ብዝብል ናይ እንግሊዝኛ ምሕጻረ-ቃል ዝፍለጥ ቦርድ ምምሕዳር ፈነወ፡ ብሓደ ትሕት ዝበለ ኣማኻሪ ቦርድ ክትካእ`ዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ናብ ፍሉያት ከባቢታት`ታ ሃገር ዝነጸረ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ`ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኩነታት ጸጥታ ተመሓይሹ`ዩ ክብል ምላሽ ሂብሉ`ሎ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ካብ ሕዳር 2015 ዓ.ም ብጠንቂ ዝጀመረ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት፡ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይድዎ መገሻ ከጋጥም ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ ዝሃቦ መጠንቐቕታ ዳግም ኣሓዲስዎ`ሎ።
ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ሽመት ሓደሽቲ ሓለፍቲ ከምዘፅደቐ ሓቢሩ።
ብሞት ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ንኩባ ዝመርሑ ፊደል ካስትሮ ኣፍሪቃዊያን ሓዘኖምን ናእድኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩባን ፊደል ካስትሮን ዘይሓወሰ ታሪኽ ኣፍሪቃ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብትኽክል ክፅሓፍ ኣይክኣልን ክብል ከሎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ እዋን እንከላ ፊደል ካስትሮ ንኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ሓገዝ እናተዘከረ ዝነብር እዩ ኢሎም።
ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝምባብወን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ወፍሪ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝኻየድ ጎነጽ ዝጀመረሉ መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ን16 መዓልታት ዝጸንሕ ወፍሪ ኣብ ዝምባብወ ዝርኸቡ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ አንስትዮ ዋላ’ኻ ቅዋም እታ ሃገር እንተዘየፍቕድ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝዘውትሮ ጉዳይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከተኹር እዩ።
(No subject) WK Winta Kidane Reply all| Today, 10:41 AM Winta Kidane ኣብ ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንዝኽበር መዓልቲ ምስጋና ሓደ ጉጅለ ወለኝተኛታትን ምስ አባላት ማህበረሰባብ ኢትዮጵያዊያን ብምኻን ናብ ኣሜሪካ ንዝመጹ ሓደሽቲ ስደተኛታት ናይ ድራር ግብዣ የዳልው። እዞም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣርሊንግተን ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ዝርኸብ አዳራሽ ብሓባር ብምእኻብ ነዚ መዓልቲ ምስጋና የኽብሩ።
መበል 31 ሓባራዊ ኣኼባ ኣመሓደርትን ኮሚሽነራትን ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከተማ ሞምባሳ ሎሚ ረቡዕ ተኻይዱ።ካብ ሚኒስትር ወፃኢ፣ምምሕዳር ውሽጢ ሃገር፣ሕርሻን ዝኣመሰሉ ኣካላት መንግስቲ ከምኡ’ውን ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኣካላት ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ምንባሩ ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ገሊጾም።
ኣብ ሄግ ዝመደበሩ ዓለምለከ ቤት ፍርዲ ገበን ብተኸታታሊ ሓዲገንኦ ብዝኸዳ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚሙ ይርከብ። ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ድማ፡ ካልእ ፈላሚት ኣባል ዝነበረት ሩስያ፡ ወጺኣ`ላ፡ ፍሊፕኒስ`ውን ክትስዕብ ትኽእል`ያ ይብሃል ኣሎ።
ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ሽልማት ንሲቪላዊያን ዝኾነ “መዳልያ ነጻነት” ንመጨረሻ ጊዜ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ን21 ሰባት ዓዲሎም። እቶም ነዚ ሽልማት ዝበቕዑ ሰባት ተዋሳእቲ፡ሙዚቐኛታት፡ኣትሌታት፡ ተመራመርቲ ኣብ ተግባር ሰብአዊነት ዝተዋፈሩን ካልኦትን ይርኸብዎም።
ሶማላዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለሱሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመንእሰያት ዘሎ ዝተሓተ ዕድል ስራሕ ኣልሸባብ ንክምልምሎም ምቹእ ባይታ ክፈጥር ይኽእል’ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ሶማል ስክፍትኦም ይገልጹ።
ፕረዝዳንት ባራክ ኦባማ ፕረዝዳንት ኮይኖም ምስ ዝተመርፁ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ‘’ኣዚዩ ፅቡቕን ‘’ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ዘተኮረን’’ ዝርርብ ኣካይድና ኢሎም።
ፖሊሲ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዕዳጋን ንግዲን ዓለም ብኸመይ ይጸልው ዋና ትኹረት ብዙሓት እንተኾነ’ዃ ኣብ ኣፍሪቃ’ኸ እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ እዩ’ውን ካብ ዝለዓሉ ዘለዉ ዛዕባታት ሓደ እዩ። ገለ ተንተንቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ንገለ መራሕቲ ኣፍሪካ ናብ ዓቓባዊ ማህበራዊ ፖሊሲ ክህልዎም ከለዓዕል እዩ ይብሉ።
ሪፖብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ብገፊሕ ከምዝዕወታ ተተንብዩለን ንዝነበራ ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ስዒሮም መበል 45 ፕረዝደንት ኣሜሪካ ክኾኑ ተመሪጾም ኣለው።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ስድራ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰባት ይአስር አሎ ክብል ጉጅለ ተሓላቒ ሰብአዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች አፍሊጡ።
ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ፖሊስ ሓደ ሓደ አባላት ኣመራርሓ ሓዊሱ ልዕሊ 80 አባላትን ደገፍቲ እቲ ፓርቲን ምእሳሮም ሓቢሩ።
ተወሳኺ ጽዓን