ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዝደንት ኣሜሪካን ግብረ መልሲ መራሕቲ ሃገራትን


ሪፖብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ብገፊሕ ከምዝዕወታ ተተንብዩለን ንዝነበራ ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ስዒሮም መበል 45 ፕረዝደንት ኣሜሪካ ክኾኑ ተመሪጾም ኣለው።

ዴታ ነጋዳይ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ለይቲ ኣብ ኒውዮርክ ማንሃተን ሆቴል ንዝተአኸቡ ደገፍቶም ብዝለዓለ ሓጎስ ዓወቶም አብሲሮም።

ኣብዚ ናይ ዓወት መደረኦም ሂላሪ ክሊንተን ብቴሌፎም ናይ እንኳዕ ሓጎሰኹም መልእኽቲ ምግላጸን ሓቢሮም።

ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ነታ ኣብ ዓለም ብቁጠባ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ቻይና ሕቶታት ፈጢሩ ኣሎ ብተወሳኺ ካልኦት ብልምዲ መሻርኽቲ ኣሜሪካ እየን ተባሂለን ዝፍለጣ ሃገራት’ውን እዚ ሻቕሎት ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ሩስያ ንዶናልድ ትራምፕ ምምራጽ ብሓጎስ ከምዝተቐበለቶ ገሊጻ’ላ። ኣብ መንጎ ሩስያን ኣሜሪካን ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ዝኸፍት ምኻኑ ጥንቓቐ ብዝመልኦ ተስፋ ገሊጻ’ላ።

ሚኒስትር ወጻኢ ኢራን መሓመድ ካቫድ ዛሪፍ ዝቕጽል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኑክሌር ኢራን ዝተፈጸመ ውዕልን ቅጥዕታትን ክጅምሮ ኣለዎ ኢሎም ኣለው።

ካብ ሓለፍነቶም ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮጳዊያን ዓመት ዝሰናበቱ ዋና ጸሃፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙን ዶናልድ ትራምፕ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኾይኖም ብምዕዋቶም እንዃዕ ሓጎሰኹም ብምባል መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ንዓለማዊ አካል ዝአተዎ ቃል አዘኻኪሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዝደንት ኣሜሪካን ግብረ መልሲ መራሕቲ ሃገራትን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00

XS
SM
MD
LG