ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ኦባማ ምስ ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ብምርኻብ ተዘራሪቦም


ፕረዝዳንት ባራክ ኦባማ ፕረዝዳንት ኮይኖም ምስ ዝተመርፁ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ‘’ኣዚዩ ፅቡቕን ‘’ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ዘተኮረን’’ ዝርርብ ኣካይድና ኢሎም።

ኦቫል ኦፊስ ብዝብል ኣብ ዝፅዋዕ ቤት ፅሕፈት ፕረዝዳንት ክልቲኦም ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ሓፂር መግለፂ ቅድሚ ኹሉ ቀዳምነት ዝውሃቦ ፅፉፍ ምስግጋር ስልጣን ክህልው ምርግጋፅ እዩ ኢሎም።

“ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተዘራሪበ ኣለኹ። ስፍሕ ዝበለ ነይሩ። ብዛዕባ ኣወዳድባ፣ ብዛዕባ ኣቃውማ ዋይት ሃውስን ብዛዕባ ፖሊሲ ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ኣልዒልና ተዘራሪብና። ከም’ቲ ትማሊ ዝገለጽክዎ፣ ናብ’ዘን ዝመጻ ክልተ ኣዋርሕ ቀንዲ ዋኒነይ፣ ንምሩጽ ፕረዚደንት ዕውት ምስግጋር ስልጣን ምግባር ክኸውን’ዩ። ጉጅለ ትራምፕ ምስ ናተይ ጉጅለ ተቀራሪቦም ንክሰርሑ ምሕላኖም ዘተባብዕ ኮይኑ ረኺበዮ’ለኹ።”

ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም ነቲ ርክብ ‘’ዓብዪ ክብሪ’’ ኢሎም ብምፅዋዕ ንመጻኢ ምስ ፕረዝደንት ኦባማ ንምስራሕ ከምዝደልዩ ገሊፆም።

ፕረዝዳንት ባራክ ኦባማ መንግስታዊ ምምሕዳሮም ንዶናልድ ትራምፕ 20 ጥሪ 2017 ዓ.ም ስልጣን ክርከቡ ከለው ኩነታት ከመቻችውሎም ኣዚዞም ኣለው።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ቀዳማዊት እመቤት ሚሸል ኦባማ ምስ በዓልቲ ቤት ዶናልድ ትራምፕ መላኒያ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ተራኺበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።


XS
SM
MD
LG