ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመራሒ ኩባ ነበር ፊደል ካስትሮ ይዝክሩ


ብሞት ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ንኩባ ዝመርሑ ፊደል ካስትሮ ኣፍሪቃዊያን ሓዘኖምን ናእድኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩባን ፊደል ካስትሮን ዘይሓወሰ ታሪኽ ኣፍሪቃ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብትኽክል ክፅሓፍ ኣይክኣልን ክብል ከሎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ እዋን እንከላ ፊደል ካስትሮ ንኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ሓገዝ እናተዘከረ ዝነብር እዩ ኢሎም።

ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኢራስቱ ሙዌንቻ ኩባን መራሒኣ ፊደል ካስትሮን ኣፍሪቃ ንነፃነታ ቃልሲ ኣብ እተካይደሉን ዝነብረ እዋን ኣብቲ ሒደት መሻርኽቲ ኣብዝነበራ እዋን ኩባ ንኣፍሪቃ ዘበርከተቶ ኣበርኽቶ ዓብዪ ነይሩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው።ኣንፃር ዓሌታዊ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ (ኣፓርታይድ) ዝካየድዎ ሓገዝን ኩባ ብመዳይ ሕክምና ኩባ ንኣፍሪቃ ዝሃበቶ ኣበርክቶን ብምግላፅ ናይ ኩባን ካስትሮን ዘይሓወሰ ታሪኽ ኣፍሪቃ መበል 20 ክፍለ ዘመን ክፅሓፍ ርትዓዊ ኣይኮነን ኢሎም።

“ቅድሚ ኩሉ ንስድርኦም ከምኡ እውን ንህዝብን መንግስትን ኩባ ዝተሰምዐና ሓዘን ክንገልፀሎም ንደሊ።ኩሉ ከምዝፈልጦን ተሰኒዱ ከምዘሎን ታሪኽ ኣፍሪቃን ኩባን ብዘይ ካስትሮ ክፃሓፍ ኣይክእልን እዩ።”

ካብ መራሒ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ፓትሪስ ሉማምባ ጀሚሩ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ስርዓት ኣፓርታይድ ነፃ ዝወፀትሉ እዋን ኩባ ብመሪሕነት ካስትሮ ኣፍሪቃ ነፃነታ ክትረክብ ፀጋታት፣ወታደራትን ኣስለጠንትን ከምዝሓገዘት ገሊፆም።

ኩባ ሓካይም ብምልኣኽ ንብዙሓት ሓካይም ብምስልጣንን ብምሕካምን ንኣፍሪቃ ዝበርከተቶ ሓገዝ ብምግላፅ ኣብ ቀረባ እዋን ከይተረፈ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ እዚ ኹሉ ማዕቐብ እናሃለወት ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ዝተራእየሉ እዋን ሓካይም ከምዝለኣኸት እቶም ምኽትል ኣቦ መንበር ወሲኾም ገሊፆም።

ብሞት ፊደል ካስትሮ ሓዘኖም ዝገለፁ መራሕቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ዝበሉ ክብሉ ንፊደል ካስትሮ ብምውዳስ ታሪኾም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተዘከረ ክነበር እዩ ኢሎም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብፍላይ ኣብ እዋን ወራር መራሒ ሶማል ዚያድ ባሬ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደው ዝበሉ ዓብዪ መሓዛን መራሒን ነይሮም ኢሎምዎም። እዚ ድማ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እናተዘከረ ክነብር እዩ ኢሎም ኣለው።

ተመሳሳሊ መግለፂ ሓዘን ዝለኣኹ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዝዳንት ሙላቱ ተሾመ ብወገኖም ኢትዮጵያዊያን ንልኡላዊነት ሃገሮም ንምኽባር ኣብዝገበሩዎ ተጋድሎ ኣብ ጎኖም ዝተሰለፉ ፈታዊ ነይሮም ኢሎምዎም ኣለው።

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ ብወገኖም መራሒ ኩባ ንኣፓርታይድ ንምስዓር ኣብዝተገብረ ቓልሲ ንደቡብ ኣፍሪቃዊያን ብዝገበሩዎ ሓገዝ ኣመስጊኖሞም ኣለው።

ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣብ ዝምድና ኣሜሪካን ኩባን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:52 0:00

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ: ማሕበር ኣብ ኩባ ዝተማህሩ ኢትዮጵያዊያን ንፊደል ካስትሮ ንምዝካር ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ንምክያድ ይዳለው ከምዘለው ተፈሊጡ።

ወለዲ ዘይብሎም ኣሽሓት ኢትዮጵያዊያን ኣብ መፋርቕ 1970ታትን 80ታትን ብመንግስቲ ኩባ ክንክን ከምዝተገብረሎምን ኣገልግሎት ትምህርቲ ከምዝረኽቡ ከምዝተገብረን ይዝኸር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመራሒ ኩባ ነበር ፊደል ካስትሮ ይዝክሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:21 0:00

XS
SM
MD
LG