ኣብቲ ትማሊ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝተኻየድ ሽልማት ምዕዳል ስነ ስርዓት ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ እቲ ሽልማት ንክብሪ ንኹሎም ኣሜሪካ ዝሓሸት ሃገር ንኽትኸውን ዘበርኸቱ ምኻኑ ገሊጾም።
“ ሎሚ ነዚ ክብረ በዓል ምስ ፍሉያት ዝኾኑ ኣሜሪካዊያን ንሕብረትና ዘበራትኡ: ንመንፈስና ዝደበሱ ናብ ምዕባለ ዝመርሑና ነኽብር ኣለና።”
ገለ ካብቶም ሽልማት ዝተወሃቦም ኣብ ተግባር ግብረ ሰናይ ዝተዋፈሩ መሊንዳን ቢል ጌትስ እዮም። ንሶም ዝውንንዎ ትካል ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ጥዕና ንምዕባይን ድኽነትን ጥምየትን ንምቅላስን 36 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ጌይሩ’ሎ።
ካብ ስፖርተኛታት ፍሉጥ ተጻዋታይ ባስኬት ቦል ከሪም ዓብዱል ጃብር፡ ማይክል ጆርዳንን ክሽለሙ ኸለው ካብ ፍሉጣት ተዋሳእቲ ድማ ቶም ሃንክስ፡ ሮበርት ዲ ኒሮ፡ ሮበርት ሬድፎርድ ተሸሊሞም።
ካብ ሽልማት ዝተዋህቦም ሰብ ሞያ ስነ ህንጻ ድማ ማያ ሊንን ፍራንክ ገርህይ ይርኸብዎም።
ኮመዲያንንን ተዋሳኢትን ኢለን ዲጀነርስ ድማ ነቲ ሽልማት ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ተቐቢላቶ።
ፕረዝደንት ኦባማ ነፍሲ ወከፍ ተሸላሚ ብውልቂ ብፍሉይ ከምዝተንኸፍዎም ገሊጾም።ብተወሳኺ ብዙሕነት እዚ ሽልማት ዝተዋህቦም ሰባት ድማ ሓደ ካብቲ ንኣሜሪካ ዓባይ ዝገብራ ሓደ ረቋሒ እዩ ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።