ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምላስ ሶማላዊያን ስደተኛታት ኣልሸባብ ንመንእሰያት ክምልምል ምቹእ ባይታ ከይፈጥር ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ


ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት ዝተዓቕብሉ መዓስከር ኪስማዮ
ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት ዝተዓቕብሉ መዓስከር ኪስማዮ

ሶማላዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለሱሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመንእሰያት ዘሎ ዝተሓተ ዕድል ስራሕ ኣልሸባብ ንክምልምሎም ምቹእ ባይታ ክፈጥር ይኽእል’ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ሶማል ስክፍትኦም ይገልጹ።

ነዚ ንምኽልካል ዓለምለኸን ናይ ሃገር ውሽጢ ሃገር ትካላትን ነቶም መንእሰያት ዝተፈላለየ ስልጠና ንምሃብ ድልዋት ምኳኖም ይግለጻ’ለዋ።

አስታት 18 ሽሕ ሶማላዊያን ስደተኛታት ናብ ከተማ ኪስማዮ ኣብ ዝአተውሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም ኣብኡ እኹል መጽለልን መግብ ክንኽን ጥዕናን መአዲ ስራሕን ንምርኻብ ይቃለሱ’ለው።

ብመሰረት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብውሑዱ 34 ሽሕ ሶማልያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም አለው። ብዙሓት ከአ መሰረታዊያን ቀረባት ከምዘይረኸቡ ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።


XS
SM
MD
LG